ጎንጺ ቃዛ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተኹሲ ጠጠው ክብል ከምዝኽእል ሓደ በዓልስልጣን ሃማስ ገሊጹ

እስራኤልን ዕጡቓት ጋዛን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ውሽጢ ተኹሲ ደው ንምባል ክሰማዕምዑ ትጽቢት ከምዝገብር ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሃማስ ገሊጹ፡፡ ኮይኑ ግና ዶብ ሰገር መጥቃዕቲታት ሐዚ እውን ቀጺሉ እዩ ዘሎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ‘‘ድሕነትን ሰላምን ዜጋታት እስራኤል ክሳብ ዝምለስ’’ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽል ትማሊ ረቡዕ ገሊጹ እዩ፡፡

ናብ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ፡ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ ኣብ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ሃማስ ልዕሊ 100 መጥቃዕቲታት ኣየር ኣካይዳ ኣላ፡፡

ሚልሻታት ፍልስጤም ብግዲኦም ሮኬታት ብምትኳስ ግብረ መልሲ ሂቦም፡፡

ጎንጺ ቃዛ፡ ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ኣብ መንጎ እስራኤልን-ፍልስጤምን ንሰሙናት ዝጸንሐ ምፍጣጥ ስዒቡ፡ ኣብቲ እስላምን ኣይሁድን ዘምልኹሉ ቅዱስ ከባቢ ብዝተልዓለ ዕግርግር እዩ ተጀሚሩ፡፡ ንቃዛ ዝቆጻጸር ሃማስ እስራኤል ካብቲ ከባቢ ሓይልታታ ክትስሕብ ድሕሪ ምጥንቃቕ ናብ እስራኤል ሮኬት ምትኳስ ጀሚሩ፡፡ እስራኤል ድማ ብመጥቃዕቲታት ኣየር ግብረ መልሲ ምሃብ ቀጺላ፡፡

ኣብ ቃዛ ዛጊድ ብውሑድ ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ልዕሊ 227 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ሓቢሩ፡፡ እስራኤል ድማ ካብቶም ዝሞቱ ብውሑድ 150 ሚልሻታት ዝነበሩ እዮም ትብል፡፡ ሃማስ ግና ቁጽሪ ዝተቐተልዎ ተዋጋእቲ ኣይገልጽን፡፡

ብወገን እስራኤል ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም 12 ሰባት ከምዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ካብቶም ኣብ ቃዛ ዘለዉ ሚልሻታት ናብ ግዝኣታ ልዕሊ 4 ሽሕ ሮኬታት ከምዝተተኮሳ ኣፍሊጣ፡፡

እቲ በዓል ስልጣን እንታይ ኢሉ?

ፖለቲካዊ በዓል ስልጣን ሃማስ ሙሳ ኣቡ ማርዙቕ፡ ‘‘እቲ ተኹሲ ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝሰምር ይመስለኒ’’ ክብል ኣል-ማያደን ንዝተባህለ ቴሌቪዥን ሊባኖስ ገሊጹ፡፡

‘‘ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ክብጻሕ ትጽቢት ይገብር፤ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ መሰረት ዝገበረ እዩ ድማ ክኸውን’’ ኢሉ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም: እስራኤልን ሚልሻታት ፍልስጤምን ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸቕጢ ይገበር ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ፡ እቲ በዓል ስልጣን ነዚ ሓሳብ ሂቡ ዘሎ፡፡

ምንጪታት ጸጥታ ግብጺ ንሮይተርስ ከምዝሓበርዎ ድማ፡ ክልቲኦም ሓይሊታት ብሓገዝ ሞንጎኛታት ተኹሲ ደው ንምባል ብደረጃ መትከል ዝተሰማምዑ ኮይኖም፡ ድርድር ግና ገና ክቕጽል እዩ፡፡

ፕረዚደንት ባይደን እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅምር፡ ትማሊ ንራብዓይ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ብስልኪ ዘትዩ ኣሎ፡፡ እቲ መራሒ ኣብቲ መዓልቲ ትርጉም ዘለዎን ናብ ተኹሲ ደው ምባል ዘምርሕን ምህዳእ ተጻብኦ ክግበር ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መልእኽቱ ከምዘሕለፈሉ ካብ 'ዋይት ሃውስ' ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

እቲ ጎነጺ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ናይ ምህዳእ ምልክታት ዘርእይ ዘሎ ይመስል፡፡

ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ኣየር ዘካየደት እስራኤል ክልተ ገዛውቲ ከምዘዕነወት ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ክሃን ዮኒስ ኣርባዕተ ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ሰብሞያ ጥዕና ገሊጾም፡፡