እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሰራዊት እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ቶኵሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ሸሞንተ መዓልታት ኣቁጺሩ ዘሎ ግጭት እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ደው ክብል ጸዊዑ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣመሪካ ምስ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ብምዃን ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ንኽብል ትሰርሕ ምህላዋ ገሊጽሉ።
እንተኾነ ኣመሪካ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ተጻብኦታት ደው ንኽብል ክወጽእ ዝተሓሰበ መግለጺ ደው ከምዘበለቶ'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ዝተጀመረ ግጭት ካልኣይ ሰሙኑ'ዩ ሒዙ ዘሎ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ንኸብሉ ኸኣ ዝኾነ ዝተብጽሐ ስምምዕ የለን።
ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ቀንዲ ማእከል ስሕበት እቲ ግጭት ኮይና ዘላ ቃዛ፡ 61 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 212 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብወገን እስራኤል ኸኣ ክልተ ህጻናት ዝርከብውኦም 10 ሰባት ሞይቶም።
እስራኤል፡ እቶም ኣብ ቃዛ ዝሞቱ ዘለዉ ፍሊስጤማውያን መብዛሕትኦም ዕጡቓት ከምዝኾኑን እቶም ሞይቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለማውያን ሰባት ብላኼማ ግዳያት ዝኾኑ ምዃኖም ትገልጽ።
እቲ ንቃዛ ዘመሓድር ዘሎ ሓማስ ዝተብሃለ ፍሊስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ግን እቲ ናይ እስራኤል መግለጺ ቅኑዕ ከምዘይኮነን እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ትገብር ከምዘላን'ዩ ዝገልጽ።
ብወገን ኣመሪካ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ ኸኣ፡ እስራኤል ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንኽሕሎ ኩሉ ዝክኣል ነገር ክትገብር እዩ ዝጽውዕ።
መግለጺ ኣመሪካ ብምስዓብ "ክልቲኦም መራሕቲ [ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒሰትር ቤንጃሚን ነታንያሁን] ነቲ እስራኤል ኣንጻር ሓማስን ካልኦት ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ቃዛ ተካይዶ ዘላ ስርሒታት ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም" ይብል።
ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ኮይና እቲ ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ንኽብል ትሰርሕ ከምዘላ ዝሕበር እቲ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ዓለምለኻዊ ኣተኩሮ ስሒቡ ምህላዉ ይሕብር።
ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ሞት ሰላማውያን ሰባት፤ ምዕናው ትሕተ ቅርጽን ህንጻታትን ደው ንኽብል ብተደጋጋሚ ኣብ ምጽዋዕ ይርከቡ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ወተሃደራዊ ስርሒታት ደው ነኸተብል ዝጽውዕ መግለጺ ንኸውጽእ ኣብ ዝሓሰበሉ ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ብምግላጽ ሰለስተ ግዜ ደው ከምዘበለቶ እዩ ዝግለጽ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብታ ብውሕዱ 2 ሚልዮን ዝነብርዋ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺን ህንጻታትን ዝግበር ዘሎ ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ቅትልትን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ 40 ኣብያተ ትምህርትን ኣርባዕተ ሆስፒታልን ፍጹምን ከፊላውን ዕንወት ከምዝበጽሐን ብምግላጽ፡ ኣብ ቃዛ ርኡይ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ብምህላዉ መሰረታውያን ነገራት ተጓዲሎም ከምዘለዉ ኣብሩሁ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ህጹጽ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማይክ ርያን ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና ዝግበር መጥቃዕቲ ብሉእ ንምሉእ ደው ክብል ብትሪ ጸዊዑ ኣሎ።