ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 200,000 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 200,000 ሞት ከምዝተመዝገበ ተገሊጹ።
እዚ ቁጽሪ ንኣመሪካ፣ ብራዚልን መክሲኮን ስዒቡ፡ ህንዲ በቲ ለበዳ ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት፡ ኣብ ዓለም ራብዐይቲ ሃገር ይገብራ።
ከምኡ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ሞት ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።
እቲ ዓብዪ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ካልኣይ ዙርያ እቲ ለበዳ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ሩፍታ እዩ ኣጓኒፉ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ምስ መረጻ ብዝተኣሳሰር ዝተገብሩ ሰለማዊ ሰልፍታትን ፈስቲቫል ሂንዱን እቲ ለበዳ ኣዝዩ ክስፋፋሕ ጠንቂ ኾይኖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
እቶም ኣብ እዋን መረጻ ዝተገብሩ ናይ ድጋፍ ሰልፍታትን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትን ሚልዮናት ኣብ ኣደባበይ ወጺኦም ተራእዮም።
እዚ ድማ፡ ነቲ ሕዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ካልኣይ ዙርያ ማዕበል፡ ኣስተዋጸኦ ገይሩ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታት ብዋሕዲ መደቀሲ ዓራትን ኦክሲጅንን ተሳቕየን ኣለዋ።
እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ማሕበራዊ ቅልወውላው የስዕብ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ልዕሊ 18 ዝኾነ ሰብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክኽተብ፡ ምምዝጋብ ተጀሚሩ ኣሎ፤ ግን ድማ፡ ሰብ መዚ ዋሕዲ ክታበት ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ዓለም ዓብዪ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ተወሳኺ ክታበት ናብ ህንዲ ከምእትልእኽ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዝበዝሓ ግዝኣታት ህንዲ በቲ ለበዳ ዝተጠቕዓ ኾይነን፡ ብኣውርኡ ግና ማሃራሽትራ ዝተብሃለት ምዕራባዊት ግዝኣትን ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሙምባይን ኣዝየን ከምዝተሃሰያ ተሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







