እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ: ሃገራት ኣፍሪቃ መዓልቱ ዘሕለፈ ክታበታት ከይድርብያ ውድብ ጥዕና ዓለም ተማሕጺኑ
ሃገራት ኣፍሪቃ መዓልቱ ዘሕለፈ ክታበታት ኮቪድ-19 ከይድርብያ ውድብ ጥዕና ዓለም ተማሕጺኑ።
ሃገራት ተወሳኺ ምኽሪ ክሳዕ ዝወሃበን ነቶም ክታበታት ክዕቅብኦም ተሓቢረን።
እቲ ምሕጽንታ፡ ማላውን ደቡብ ሱዳንን ልዕሊ 70,000 ብልቃጥ ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዜነካ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ መዓልቱ ከም ዘሕለፈ ብምግላጽ ከዕንውዖ ምዃነን ድሕሪ ምግላጸን እዩ ቀሪቡ።
ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ግና እቶም ክታበታት ምጥቃሞም ጉድኣት ከም ዘይብሉ መረጋገጺ ከም ዝተዋሃቦ ሓቢሩ።
ብዙሓት ክታበታት ድሕሪ ፍርያት ክሳዕ 36 ኣዋርሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ክታበታት ኮቪድ-19 ጌና ሓደስቲ ብምዃኖም ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዝህልዎም ውጽኢታውነት ብዝምልከት እኹል ሓበሬታ የሎን።
ግዚኦም ዝወደቐ ክታበታት ምጥቃም ዝምልከት ውሳነ ንተቆጻጸርቲ መድሃኒት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝግደፍ ከም ዝኸውን ወኪል ቢቢሲ ካብ ናይሮቢ ሓቢራ።
ብሓፈሻ ዝርግሐ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ምስ ቀረብ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ክታበት ምስ ዘሎ ጥርጣረታትን ብዝተሓሓዝ ዝሕቱል ምዃኑ ይግለጽ።
ዳይሬክተር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ኒከንጋሶንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ንኣባል ሃገራት ከቕርቦ ዝደልይ ምሕጽንታ፡ ነዞም ክታበታት ንምዝርጋሕ ናትና ተራ እንተተጻዊትና፡ ንስኻትኩም ከኣ እጃምኩም ግበሩ ነቶም ክታበታት ተጠቀሙሎም" ኢሉ።
ማላዊ ብኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ ዝፈረየ ልዕሊ 16,000 ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘኔካ ብ13 ሚያዝያ ዕለቱ ከም ዝወደቐ ብምግላጽ ከተዕንዎ ምዃና ሓቢራ።
ደቡብ ሱዳን ብወገና ከባቢ 59,000 ጠራሙስ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ክተዕንው ወጢና ኣላ።
እቲ ጠራሙስ ክታበት ብሽርክነት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኩባንያ ተለኮሙኒኬሽን ኤምቲኤንን ን13 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተለገሰ ምዃኑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብታ ሃገር ዓብሊሉ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ውጽኢታዊ ኣይኮነን ብምባል ምጥቃም ደው ምስ ኣበለት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት 1 ሚልዮን ጠራሙስ ካብኣ ዓዲጉ'ዩ።
ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ፡ እቲ ክታበታት ግዚኡ ቅድሚ ምውዳቑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘርጊሑዎ።
እቲ ክታበት "ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ'ውን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ከም ዝኽእል" ኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ ከም ዝሓበሮ ሚስተር ኒከንጋሶንግ ገሊጹ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪቃ ማትሺዲሶ ሞየቲ ብወገና፡ "ነቲ ኩነታት ኣጽኒዕና ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ምጥቃም ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን ጭቡጥ ምኽሪ ክሳዕ እነምጽእ [ሃገራት] ነቶም ክታበታታት ኣብ ውሑስ ኩነታት ክዕቅብዎ" ተማሕጺና።
ብዘይካ ማላውን ደቡብ ሱዳንን፡ ጋናን ሴራልዮን'ውን እቲ ዝተዋህበን ጠራሙስ ከይወድእኦ መዓልቱ ከም ዝኣኸለ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጥዕና ሴራልዮን፡ ካብቲ ዝተዋህቦም ሓደ ሲሶ ዝኸውን ጠራሙስ ተሪፍዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ካብ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 44 ብመገዲ እቲ ክታበታት ኮቪድ-19 ንምምቕራሕ ዝወጸ ትልሚ ኮቫክስ፡ ተጠቀምቲ ኮይነን ኣለዋ። እተን ሸውዓተ ግና ጌና እቲ ቀዳማይ ዙር ዕደላ ኣይበጽሐንን ኣሎ።
ኮቫክስ፡ ኣብ መንጎ፡ ሃብታማት ኮና ድኻታት፡ ኩለን ሃገራት ርትዓዊ ዝኾነ ዝርግሐ ክታበታት ኮቪድ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ትልሚ እዩ። ዛጊት 38 ሚልዮን ጠራሙስ ክታበታት ናብ 98 ሃገራት ተባጺሑ ኣሎ።
ነቲ ለበዳ ደው ንምባል፡ ዓለምለኻዊ ምዕሩይ ዝርግሐ ክታበታት ኣገዳሲ ምዃኑ ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ።