እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ጸመ ረመዳን ዝርከቡ ሙስሊም ኣብ እዋን ጾም ክታበት ክወስዱ ይኽእሉዶ?
መራሕቲ ሃይማኖትን እስልምናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ጾም ረመዳን ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ብሰንኪ እቲ ጾም ካብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከይቦኽሩ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም።
ኣብ ጾመ ረመዳን፡ ኣመንቲ ጽሓይ ካብ ትበርቅ ክሳብ ትዓርብ ዝኾነ ዓይነት ፈሳስን መግብን ክወስዱ እምነቶም ኣየፍቅድን እዩ።
ኣብ ከተማ ሊድስ ኢማም ዝኾነ ቃሪ ኣሲም እቲ ክታበት ኣብ ምናት ዝውሃብ ስለ ዝኾነን ዝኾነ ዓይነት ትሕዝቶ ናይ መግብን መጥለሊ ፈሳስን ስለ ዘይብሉ ንጾም ከስዕር ከም ዘይክል እዩ ዝዛረብ።
"ዝበዝሑ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ምኽታብ ንጾም ከም ምስዓር'ዮም ዝወስድዎ" ክብል ኣባል ቦርድ መሳጊድን ኢማማትን ዝኾነ ኢማም ቃሪ ኣሲም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝሰርሕ ዶክተር ፋርዛና ሑሱን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ዝርከቡ እስላም ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክኽተቡ ከም ዝኽእሉን እቲ ክታበት ምስ ምስዓር ጾም ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ እዩ ዝመክር።
ዶክተር ፋርዛና ሑሱን "ብዙሓት ሙስሊም ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ክታበት ኮቪድ 19 ምውሳድ ንኽእል'ዶ ኢሎም ክካትዑን ከተሓሳስቦምን ይርኣዩ እዮም" ይብል።
ብምስዓብ "ብዙሓት ኣብ እዋን ጾም፡ መርፍእ ምውጋእ ከም ምስዓር እዮም ዝሓስብዎ፤ እንተኾነ እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ክታበት ዝኾነ ካብ ጥምየት ዘዐግስ ወይ ካብ ጽምኢ ዘጥልል ትሕዝቶ የብሉን" ኢሉ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ብዙሓት መሳጊድ፡ ኣመንቲ ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን'ውን ክታበት ንኽክተቡ ንምትብባዕ ኣብ ቀጽሪ እተን መሳጊድ ክታበት ከም ዝወሃብ ገይረን ኣለዋ።
ክታበት ኣብ ቀጽሪ መሳጊድ ክወሃብ ምስ ጀመረ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ኣርኣእይኦም ክቕየር ተራእዩ'ዩ።
ኦፕሶስ ሞሪ ዝተባህለ ሰነዳት ዝእክብ ትካል፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ጸዓዱ ዘይኮኑ ብሪጣንያውያን ኣብ ክታበት ዝነበሮም እምነት ኣብ ወርሒ ጥሪ 77 ሚኢታዊት ዝነበረ ሕጂ ግን ናብ 92 ሚኢታዊት ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።
ኣብ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዓቢ ቦታ ዘለዎ ጾመ ረመዳን፡ ወርሒ ምስ ተቐልቀለት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ጀሚሩ።
ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ኣመንቲ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ጸሞም ድሕሪ ምውዓል ምሸት ጽሓይ ምስ ዓረበት፡ ቤተ-ሰብን ጎረባብትን ተኣኻኺቦም'ዮም ናይ መግብን ፈሳስን ትሕዝቶ ይቋደሱ።
ሕጂ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኩነታት ተቐያይሩ እዩ።
ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዋላ'ኳ ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ክእከቡ ዝፍቐዶም እንተኾነ፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ ግን ይግደዱ'ዮም።