እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ለበዳ እናወሰኸ ኣብ ዝመጽኣሉ ድኽነት ዘንጸላወሎ ህዝቢ ብራዚል
ብዙሓት ዝጠመዩ ነበርቲ ዓብዪ ሻውል ሳኦ ፖሎ ሄሊኦፖሊስ፡ ትንፋሶም ዘሕድሩላ መግቢ ንምርካብ ነዊሕ ሪጋ ሒዞም ይውዕሉ ኣለው።
ሓደ ስድራ፡ ንመዓልቲ ሓንቲ በሲላ ምስ ስጋ ዝተዳለወት ፓስታን ሩዝን፣ ክልተ ብሽኮትን ሓደ ካርቶን ጸባን እያ ትወሃቦ።
ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ በዚሖም እንተተባህለ 300 ሰባት ጥራሕ'ዮም ሪጋ ዝሕዝኡ ነይሮም።
ሕጂ ግን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ድራር እለት ክረኽቡ ይጽበዩ።
"መብዛሕትኦም ኣብ ሻውላት ዝነብሩ ሰባት ብዘይስሩዕ ቁጠባ'ዮም ዝመሓደሩ፤ ብብዝሒ ሰራሕተኛታት ጽርየት ወይ ሰንከትቲ ሕብስቲ ኮይኖም ስለ ዝሰርሑ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ትካላት ንግዲ ምስ ተዓጸው ተጎዲኦም" ይብል ኣተሓባባሪ እቲ ከባቢ ማርሲቫን ባሬቶ።
ወሲኹ "ሰባት ክሳብ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ለይቲ ሪጋ ሒዞም ኢኻ ትርእዮም። እቲ ለበዳ ይውስኽ ብምህላው ብዙሕ ዘስግኣኒ ነገር ኣሎ። ሓደ ዝጠመየ ሰብ ክሰርቕ ክጅምር ይኽእል'ዩ፤ ምኽንያቱ እንተጠሚኻ ዘይትገብሮ የለን" ብምባል ስግኣቱ ይገልጽ።
ኣብ ብራዚል ፈላማይ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ምስ ተራእየ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንህጹጽ ግዜ ዝኸውን "ኮሮናቮቸርስ" ዝተባህለ ፕሮግራም ረድኤት ኣተኣታትዩ።
ልዕሊ 67 ሚሊየን ህዝቢ ወርሓዊ 107 ዶላር ሓገዝ ይረክብ። እዚ ፕሬዝደንት ጃየር ቦልሶናሮ ኣብ ታሪኽ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብራዚል ዘተኣታተዎ ብሕታዊ ዝዓበየ ፕሮግራም'ዩ።
እዚ ካብ 1970ታት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሕሱም ድኽነት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ክወርድ ሓጊዙ'ዩ።
ይኹን'ምበር ዘላቒ ኣይኮነን። ዕዳ ህዝቢ እናበዝሐ ምስ ከደ መንግስቲ ነቲ ፕሮግራም ጠጠው ኣቢሉ ዳግም እቲ ገንዘብ ናብ 44.7 ዶላር ክምዝጎድል ገይሩ።
እዚ ግን ብዙሓት ስድራቤታት ሃስዩወን። ሉሲያና፡ ኣደ ሓሙሽተ ቖልዑት'ያ።
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ስርሓ ክትስእን እንከላ፡ በዓል ቤታ'ውን ብተመሳሳሊ ካብ ስራሕ ቦዂሩ።
"መኽፈሊ ገዛ ኪራይ ስለ ዘይብልና፡ ኣብ ቀረባ ናብ ጎደና ክንወጽእ ኢና ዝብል ስግኣት ኣለኒ። ጽቡቕ ህይወት ክህልወኒ'ዩ ዝብል ተስፋ እኳ እንተነበረኒ፡ ሕጂ ግን ደቀይ ንእንዳ ዘኽታማት ክህቦም እየ ዝሓስብ" ኢላ።
ብራዚል ኣብ ገምገም ማሕበራውን ጥዕናውን ሓደጋ'ያ ዘላ።
ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ ዝበዝሐ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከተመዝግብ እንከላ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 370 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም፡ እዚ ኸኣ ብደረጃ ዓለም ብብዝሒ ሞት ንኣመሪካ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዓ።
ኣብ ብራዚል ብዝሒ ሓዲሽ መልከፍቲ ብናህሪ ይውስኽ ስለዘሎ ሆስፒታላት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከቡ።
ብኻልእ ወገን እዚ ለበዳ፡ ብብዝሒ ህጻናት ይቐትል ኣሎ።
ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ክሳብ 15 መጋቢት 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ክሳብ ትሸዓተ ዓመት ዕድሚኦም ኣስታት 852 ብራዚላውያን ህጻናት ከም ዝሞቱ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል የረድእ።
ይኹን'ምበር ክልተ ዕጽፊ እቲ ዝተጠቕሰ ቑጽሪ ህጻናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ፡ 60 ሚኢታዊት ዜጋታት ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ፤ ክበልዑዎ ዝኽእሉ እኹል መግቢ የብሎምን።
እዚ ቫይረስ "ሰዓል እንድኣሉ" ብምባል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ክውሰድ ዝሕሰብ ዝነበረ ስጉምታት ዕጽዋ ብምቅዋም ሕጂ ድማ ኣብ እዋኑ ክታበት ከቕርብ ዘይክኣለ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ዝድግፎ ህዝቢ ስኢኑ ኣሎ።
ንዕኡ ንምኽሳስ ዝግበሩ ምድላዋት'ውን ኣለው። ይኹን'ምበር፡ ደገፍቱ ሽሙ ንምጥፋእ ዝግበር ጎስጓሳት'ዩ ብምባል ይቃወሙዎ።
ብምኽንያት ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ጽልውኡን ኣብ ወጥሪ ዝኣተወ ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ ካብ ተነሓናሒኡ ፕሬዝደንት ነበር ሉዊዝ ሉላ ዳ ሲልቫ ሓያል ስግኣት መጺኡዎ ይርከብ።