ናይጄርያውያን ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ተቓውሞ ኣካይዶም

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ ግዝኣት ጎምቤ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።

እቶም ይሕከምሉ ካብ ዝነበሩ ማእኸል ጥዕና ውጽእ ኢሎም ተቓውሞ ዘካየዱ ሰልፈኛታት፡ ሰብመዚ ግቡእ ተገዳስነት (ክትትል) ከምዘይገበሩሎም እዮም ዝገልፁ።

ዝግበረሎም ክትትል እኹል ከምዘይኮነ ዝገልፁ እዞም ሕሙማት ኮሮናቫይረስ፡ ብሕፅረት ኣፋውስን ሕጽረት ምግብን ተፀጊምና እዮም ዝብሉ።

በዚ ዝሓረቑ ሰልፈኛታት ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምፅንባር፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር 5 ኪሎሜትር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ቁሸት ክዋዶን ዝርከብ ፅርግያ ዓፅዮም እዮም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጥዕና እታ ሃገር ኣሕመድ ጋና፡ እቶም ሕሙማት ምልክት ስለዘየርኣዩ መድሓኒት ከምዘየድልዮም፡ ንቢበሲ ገሊፁ።

በቶም ሰልፈኛታት ንዝተልዓለ ጸገም ሕፅረት ምግቢ እውን እቶም ሰብመዚ ነጺጎምዎ።

ደሓር ግና፡ እቶም ሰብመዚ ነቶም ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣእሚኖም ናብ ዝነበርዎ ማእኸል ጥዕና መሊሰሞዎም እዮም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቲ ሰልፊ ተቓውሞ ወፅዮም ይዕዘቡ ብምንባሮም ድማ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ነበርቲ ተላቢዑ ከይኸውን ስግኣት ኣለዎም።

ነዚ ስዒቡ ምስ ሰልፈኛታት ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባት ን14 መዓልታት ክውሸቡ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ኣተሓሳሶቦም ኣለዉ።

ኣብ ናይጄርያ ዛጊድ 2950 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፡ ካብዚኦም እቶም 100 ሰባት ካብ ግዝኣት ጎምቤ እዮም።

ኣብታ ሃገር፡ 34 ዶኳትር ኣብ ግዝኣት ካኖ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፤ ሓደ ሓኪም ድማ በቲ ሕማም ሞይቱ እዩ።

ኣባል ማሕበር ሓካይም ናይታ ሃገር፤ ሰብሞያ ጥዕና ርእሶም ዝሕልውሉ እኹል ናውቲ ክቐርበሎም ጸዊዑ'ሎ።