ኮቪድ-19፡ ምስ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሩ ሳሕቲ ዘጋጥም ዘሎ ምርጋእ ደም እንታይ እዩ?

ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝወሰዱ ሳሕቲ ዘጋጥም ዘሎ ምርጋእ ደም ብርግጽ ብሰንኪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዜኔካን ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንን ዝሰዓበ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ብሲቪኤስቲ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ ምርጋእ ደም ብሰንኪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዘኒካ ዝሰዓበ ድዩ ዝብል ብሕጂ'ኳ ዝረጋገጽ እንተኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ግን ምስ ኣስትራዘኒካ ምትእስሳር ከም ዘለዎ መርትዖ ከም ዝረኸቡ ይገልጹ።

ክታበት ከመይ ክውሃብ ከም ዘለዎ ምኽሪ ዝህቡ ኮሚቴ ዓባይ ብርጣንያ ግን ጥዑያትን ዕድሚኦም ትሕቲ 30 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ካልእ ዓይነት ክታበት ክውሃቦም ማዕድኦም ለጊሶም ኣለዉ።

ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን'ውን ዋላ እኳ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣይጀመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቐዲማ ዕርቡን ዝኸፈለትሉ 30 ሚልዮን ብልቃት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ንክትርከብ ኣብ ትጽቢት እያ ዘላ።

እንተኾነ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን ንግዝኡ ካብ መዓላ ደው ከም ዝብል እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ሲቪኤስቲ ምርጋእ ደም እንታይ እዩ?

እዚ cerebral venous sinus thrombosis ንዝብል ቃል ዝውክል ሲቪኤስቲ ሕጽር ብዝበለ ሳይንሳዊ መጸውዒ ምርጋእ ደም ናይቶም ኣብ ሓንጎል ዝርከቡ መትንታት እዩ።

ከም ንቡር ደም ብመንገዲ እዞም መትንታት ኣቢሉ እዩ ካብን ናብን ልብን ሓንጎልን ዝመላለስ።

ኣብዚ መስመር እዚ ምርጋእ ናይ ደም ምስ ዘጋጥም ግን እቲ ኦክስጅን ተሸኪሙ ናብ ሓንጎል ክብጽሕ ዝግብኦ ዝነበረ ደም ስለ ዝዕገት ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መጠን ኦክስጅን ይንኪ።

በዚ ዝተለዓለ ናብ ዝተሓላለኸ ናይ ጥዕና ጸጋማት ከምርሓና ይኽእል።

ካብቶም ክታበት ኣስትራዘኒካ ዝተዋህቡ፡ ኣብ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሰባት ብዘይካ ኣብ ሓንጎል ኣብ ከብዶም ኣብ ዝርከብ ገፊሕ መትኒ'ውን ምርጋእ ደም ተራእዩ እዩ ።

እዚ መትኒ ካብ ልቢ ናብ ውሽጣዊ ክፋል ወዲ ሰብ ደም ዘመሓላልፍ እዩ።

ንምንታይ እዩ ምርጋእ ደም ዘጋጥም ዘሎ?

ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ መጽናዕቲ ንጹር መልሲ ከም ዘይተረኸቦ እዩ ዘርኢ።

እቲ ሲቪኤስቲ ዝተባህለ ዓይነት ምርጋእ ደም ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ኩሎም ውሑድ ቁጽሪ ፕላትለት [መድመይቲ ምስ ዘጋጥም ንክደርቅ ዝሕግዙ ዋህዮታት] እዮም ተረኺበሞም።

እቶም ምርጋእ ደም ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ኣካላቶም እቶም ንፕላትለት ዘበራብሩ ጸረ ነብሳት (ኣንቲ ቦዲ) ውሑዳት ኮይኖም ከም ዝጸንሑ'ውን እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ የነጽር።

እቶም ኣንቲ ቦዲ ምስ ዝውሕዱ እቶም ፕላትለት ብጌጋ ንሓድሕዶም ይጣበቑ'ሞ ኣብ መትኒ ተኣኪቦም ነቲ መስመር ናይ መትኒ ብምዕጻው ምርጋእ ናይ ደም የስዕቡ።

ምርጋእ ደም ከምዘጋጠመና ብምንታይ ክንፈልጥ ንኽእል?

ዝኾነ ሰብ ምስ ተኸተበ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ወይ ልዕሊኡ ኣብ ዘሎ ግዜ እዚ ዝስዕብ ምልክታት እንተተራእይዎ ናብ ጥቕኡ ዝርከብ ሕክምና ብምኻድ ሕክማናዊ ሓገዝ ክሓትት ይኽእል፤

  • ብርቱዕን ዘየቋርጽን ሕማም ርእሲ
  • ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ምድካምን ጽልግልግ ምባልን
  • ሕጽረት ምስትንፋስ
  • ቃንዛ ኣፍ ልቢ
  • ሕበጥ እግሪ
  • ብርቱዕን ዝደጋገምን ሕማም ከስዐ
  • ኣብቲ ከባቢ ዝተኸተብካሉ ቁስሊ ወይ ነድሪ
  • ቃንዛ መላግቢ እግሪ

ምርጋእ ደም ድሕሪ ክንደይ መዓልታት ከጋጥም ይኽእል?

ኣብ ዝበዝሑ ክታበት ምስ ወሰዱ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታትን ውሑዳት ሰሙናትን ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ምልክታት ተራእይዎም።

ክኢላታት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ግን ክታበት ምስ ተዋህበ ድሕሪ ኣዋርሕ'ውን ምርጋእ ደም ከጋጥም ስለ ዝክእል ዶኳትር ኣብ ግምት ከእትውዎ ተማሕጾኖም ኣለዉ።

ብመሰረት ካብ ምቁጽጻር ሕክምና ዓባይ ብርጣንያ ዝተረኸበ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 79 ሰባት ምርጋእ ደም ከጋጥሞም እንከሎ ካብኦም 19 ሞይቶም።

እዞም 79 ሰባት ካብቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክታበት ኣስትራዘኔካ ዝተዋህቦም ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ዝተረኸቡ እዮም።

እቲ ምርመርን ጸብጻብን ብሕጂ'ውን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ በዚ ሕጂ ዘሎ ጸብጻብ፡ ክታበት ካብ ዝወሰዱ 250 ሽሕ ሰባት ሓደ ሰብ ምርጋእ ደም የጋጥሞ ኣሎ።

እቲ ምርጋእ ደም ዋላ እኳ ኣዝዩ ውሑድ ይኹን ዝያዳ ኣብ ንኣሽቱ የጋጥም ምህላዉ'ውን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ጸብጻብ የረድእ።

ካብዚ ብምብጋስ ክታበት ከመይ ክውሃብ ከም ዘለዎ ምኽሪ ዝህቡ ኮሚቴ ዓባይ ብሪጣንያ ጥዑያትን ዕድሚኦም ትሕቲ 30 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ካልእ ዓይነት ክታበት ክውሃቦም ማዕድኦም ለጊሶም ኣለዉ።

ኣብ ኣመሪካ ዝተገበረ መጽናዕቲ'ውን ኮሮናይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሓደ ሚልዮን ሰባት 39 ሰባት ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸቦም ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ምርጋእ ደም ከም ዝተረኣዮም እዩ ዘነጽር።

ምርጋእ ደም ኣብቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት'ውን ክረአ ምጽንሑ እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር።

ምርጋእ ደም ፈውሲ ኣለዎ ድዩ?

ብሓፈሻ እቲ ሕማም ቀልጢፉ እንተተፈሊጡ ዝሓሸ እዩ።

ንደሞም ዝረግአ ሰባት ዝውሃብ ዝተፈላየ ዓይነት መድሃኒታት ኣሎ፤ ሓደ ካብኡ 'ኢሚኑ ፕሮቲን' ዝብሃል ብነጠብታ ዝወሃብ እዩ።

ገለ ሰባት ንደሞም መቕጠኒ ዝኸውን ፈውሲ ተወሂቡዎም ናብ ገዛ ተፋንዮም ናብ ሕክምና እናተመላላሱ ምኽትታል ከም ይግበረሎም።

ፕሮፌሰር ኣድሪያን ኒውላንድ ክኢላ ናይ ደም እዩ።

ንሱ ክሳብ ሕጂ ምርጋእ ደም ካብ ዘጋጠሞም ሰባት እቶም 75 ሚኢታዊት ከም ዝሓወዩ'ዩ ዝሕብር።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርከቡ ክኢላታት ናይ ደም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምርጋእ ደም ንዘጋጠሞም ሰባት ዶኳትር እንታይ ዓይነት ናብዮትን ምክትታልን ክገብርሎም ከም ዘለዎም መምርሒ ኣውጺኦም ኣለዉ።

ብዛዕባ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰንከ?

ክታበታት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ከምኡ'ውን ኣስትራዘኔካ ኣሰራርሐኦም ተመሳሳሊ'ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ካብ ዝተዋህቦም 6.8 ሰባት እቶም ሽዱሽተ ምርጋእ ደም ከም ዘጋጠሞም ክፍሊ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ክፍሊ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ምርጋእ ደም ሓንቲ ሰብ ክትመውት እንከላ ሓንቲ ኸኣ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ምክትታል ሕክምና ከም ዘላ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣመሪካ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ምስ ተወግኣ ምርጋእ ደም ዘጋጥመን ሽዱሽቲኤን ደቂ ኣንስትዩ ኮይነን ዕድሚኤን ካብ 18 ክሳብ 48 እዩ።

እዘን ደቂ ኣንስትዩ ክታበት ምስ ወሰዳ ድሕሪ ሽዱሽተ ክሳብ 13 መዓልታት ምልክታት ናይ ምርጋእ ደም ተራእይወን እየን ናብ ሕክምና መጺአን።

ትካል ኣፍራዩ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኩሉ ዝተረኸበ ጸብጻብት ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ይዝትየሉ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ።