ቻይና: መተካእታ ብሕማም ዝሞተ ሰብ ክኸውን ህይወቱ ዝሰኣነ ግዳይ

ሕማም 'ዳውንስ ሲንድሮም' ዝነበሮ ቻይናዊ ድሕሪ ምጭዋዩ መተካእታ ሬሳ ናይ ሓደ ብኸመይ ከም ዝቕበር ኑዛዜ ዝገደፈ ሰብ ክኸውን ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ።

ሓደ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኣብ 2017 ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ሞይቱ።

ንሱ፡ ምስ ሞተ ኣብ ክንዲ ሬሳኡ ብሓዊ ዝቃጸል ብንቡር ክቕበር ድሌት ከም ዝነበሮ ኑዛዜ ገዲፉ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ዞባታት ቻይና ብንቡር ምቕባር ክልኩል እዩ።

ስለዚ ድማ፡ እቲ ሰብ ምስ ሞተ፡ ቤተሰቡ ዝቃጸል መተካእታ ሬሳ ከናድዩ ጀሚሮም።

ኣብ መስከረም 2020፡ መተካእታ ሬሳ ከናዲ ዝተቖጸረ ሁዋንግ ዝተባህለ ሰብ፡ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂቡ።

ዋላ'ኳ እቲ ቅትለት ኣብ 2017 እንተተፈጸመ፡ እቲ ጉዳይ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መርበባት ኢንተርነት ቻይና ምስ ተዘርግሐ'ዩ ኣቓልቦ ስሒቡ።

ምርካብ መተካእታ ሬሳ

ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ 2017 ሁዋንግ መተካእታ ሬሳ ከምጽእ ካብ ቤተሰብ ናይቲ ብንቡር ክቕበር ዝተደልየ መዋቲ ናይ ገንዘብ ውዕል ተኣትይሉ።

ስድራቤት መዋቲ፡ ኣብ ዞባ ጓንዶግ ኣብ እትርከብ ከተማ ሻንወይ'ዮም ዝነብሩ።

መንግስቲ ናይቲ ዞባ ኩሉ ሬሳታት ብሓዊ ክቃጸል (ክረሜሽን) ዘገድድ ሕጊ ኣለዎ።

ዋላ'ኳ እቲ ስድራቤት ሁዋንግ ካልእ ሬሳ ዘምጽኣሎም እንተመሰሎም ንሱ ግን ነቲ ዝኣተዎ ውዕል ንምፍጻም ካልእ ሰብ ቀቲሉ።

ሓደ ኣብ ጎደና፡ ጎሓፍ ክኣሪ ዝራኣዮ ሕማም ዳውንስ ሲንድሮም ዝነበሮ ሰብ ምስ ረኣየ፡ ናብ መኪናኡ ክኣቱ ብምእማን ኣልኮላዊ መስተ ሂቡ ዊኖኡ ከም ዝስሕት ይገብሮ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኣእትይዎ። ድሕሪ መዓልታት ድማ ነቲ ሳንዱቕ ናብቶም ስድራቤት ብምውሳድ ገንዘቡ ተቐቢሉ።

ብመሰረት ዝተውዎ ውዕል፡ እቲ ስድራቤት 107,000 ዩዋን (16,300 ዶላር) ከም ዝኸፈለን፡ ካብኡ 90,000 ዩዋን (ባጤራ ቻይና) ናብ ጅብኡ ኣትዩ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ንደላሎ ተዋሂቡ።

ምቅይያር ሳንዱቕ ሬሳ

ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ስድራቤት ነቲ ዝተዋህቦም ሳንዱቕ ከም ሬሳ ቤተሰቦም ኣምሲሎም ኣቃጺሎሞ።

ሬሳ ናይቲ መዋቲ ቤተሰቦም ግን ብምስጢር ከም ባህጉ ብንቡር ቀቢሮሞ።

እቲ ግዳይ ኣብ 2017 ሃለዋት ምስ ኣጥፈአ፡ ከም ጥፉእ ሰብ ተመዝጊቡ።

ፖሊስ ነቲ ሓቂ ክፈልጡን ነቲ ክሱስ ክረኽቡን ልዕሊ ክልተ ዓመት ወሲድሎም።

ኣብ መስከረም 2020 ከኣ ሁዋንግ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐቢሉ።

እንተኾነ፡ ኣንጻር'ቲ ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ዞባ ጓንግዶንግ ነቲ ይግባይ ብምንጻግ፡ እቲ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ኣጽኒዕዎ።

እዚ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ዝኾነ ካልእ ገበን እንተዘይፈጺሙ፡ ናብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክወርድ'ዩ።

እቲ ዝቖጸሮ ስድራቤት ድማ፡ "ሬሳ ብምጽራፍ" ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም።

ይኹን'ምበር፡ ዝኾነ ማእሰርቲ ኣይተበየነሎምን። ኣብ ክንዲ ማእሰርቲ ገንዘብ ከፊሎም እንተኾይኖም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ማዕከን ዜና ቻይና ምስቲ ስድራቤት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ቃለመሕትት ብምክያድ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ምስ ዘርገሐ ኣቓልቦ ስሒቡ።

ሬሳ ምቕያር ኣብ ቻይና ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዐ ክስተት ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር፡ ንቡር ባህላዊ ቀብሪ ከም ዓቢ ክብሪ ስለዝውሰድ፡ መተካእታ ሬሳ ምንዳይ ይርአ'ዩ።

ፖሊሲ ቻይና ኣንጻር ንቡር ቀብሪ

ኣብ ቻይና ንቡር ቀብሪ ብዙሕ ሰብ ዝደልዮ'ዩ።

ሰባት ኣብ ስርዓተ-ቀብሪን ሳንዱቕ ሬሳን ብዙሕ ገንዘብ'ዮም ዘውጽኡ።

ከምኡ ብምግባሮም ንዝሓለፉ ወለዶታቶም ዘለዎም ክብሪ ዝገልጽሉ'ዩ።

እታ ሃገር ግን፡ ህዝቢ ሬሳ ብንቡር ካብ ምቕባር ክቑጠብ እትገብሮ ጎስጓስ ከተሐይሎ ጸኒሓ'ላ።

ኣብ ገለ ዞባታት'ውን ንቡር ቀብሪ ምሉእ ብምሉእ እጉድ'ዩ።

እቲ ስጉምቲ፡ መሬት ንምዕቃብን ነቲ ዝግበር ቀይዲ ኣልቦ ስርዓተ-ቀብሪ ንዘይምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ 1997 ዝወጸ ሕጊ "ጻዕቂ ህዝቢ፡ ጸቢብ መሬትን ስሉጥ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን ዘለዎም ዞባታት ምቅጻል ሬሳ ከካይዱ ኣለዎም" ይብል።