ሞይቱ ተባሂሉ 'ኣብ መጽንሒ ሬሳ ዝተበራበረ ኬንያዊ መሊሱ ሞይቱ ተባሂሉ'

ካብ ሞት ተንሲኡ ዝተባህለሉ ኬንያዊ ዳግማይ ከም ዝሞተ ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞተ ብኪኢላታት ምስ ተረጋገጸ፡ ናብ መጽንሒ ሬሳ (ሞርግ) ክኣቱ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ሃንደበት ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ ብዓውታ ድሕሪ ምውጫጭ፡ መሊሱ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ።

ወዲ 32 ዓመት ፒተር ኪገን፡ ሕዱር ሕማም ከም ዝነበሮን፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ክእለ ድሕሪ ምጽናሕን ናብ ገዝኡ ከምዝተፋነወ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኬንያ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ኣፍ ሞት ብምውጽኡ ከምዝተሓጎሰ ብምግላጽ፡ "እዚ ስራሕ ኣምላኽ'ዩ" ክበል ንደይሊ ኔሽን ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ'ታ ሃገር ተዛሪቡ ነይሩ።

ብዙሓት ኬንያውያን ብዛዕባ'ቲ ዛንታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘራረቡ ምቕናዮምን፡ ካብኡ ለሊፉ'ውን ባይቶ ናይቲ ዝነብረሉ ዞባ ከሪቾ ከምዝተኻትዓሉ ተፈሊጡ።

እቲ ኩነታት ብኸመይ ከምዝተፈጥረ ንምፍላጥ'ውን፡ ሓደ ዘጻሪ ጉጅለ ብምምዛዝ መርመራ ኣካይዱ። ጸብጻብ ናይቲ ዝተገብረ መርመራ፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና ካብ ሓላፍነት ናጻ ምዃኖም ደምዲሙ'ሎ።

ጸኒሑ ግን፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝዓረፈ ተረጋጊጹ ተባሂሉ።

እቲ ሰብ ትማሊ ሓሙስ ከምዝሞተ ኣፈኛ ናይቲ ቤተሰብ ንስታንዳርድ ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ።

"ኪገን፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ካፕካተት [ሆስፒታል] ክሰጋገር ተባሂሉ ናብ ከሪቾ ዞባዊ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ከም ዝዓረፈ ተረገጋጊጹ" ክብል ሄዝቦን ቶኑይ ዝተበህለ ኣባል ቤተሰብ ተዛሪቡ።