ዋሺንግተን፡ ኣስከሬን ደቂ ሰብ ናብ ድኹዒ ምቕያር ሕጋዊ ብምግባር ፈላሚት ግዝኣት ኮይና

ዋሺንግተን፡ ኣስከሬን ደቂ ሰብ ናብ ድኹዒ ዝቕየረሉ መስርሕ ሕጋዊ ብምግባር ፈላሚት ግዝኣት ኣሜሪካ ኮይና።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ሰባት ምስ ሞቱ ኣካሎም ናብ ድኹዒ ክቕየርን ዘይክቕየርን ክመርጹ ይኽእሉ ምዃኖም ተገሊጹ።

እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ንደተ-ሬሳን ምቕባርን ካልእ ኣማራጺ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ሕጽረት ናይ መቓብር ቦታ ንዘለወን ከተማታት ፍታሕ ከም ዝህብ ተኣሚኑ'ሎ።

እቲ ኣካል (ኣስከሬን) ናብ ድኹዒ ምስተቐየረ፡ ስድራ ወይ ፈተውቲ ነቲ ሓመድ ክዕቅቡ ክወሃቦም'ዩ። እቲ ሓመድ ከኣ ዕምበባታት፣ ኣሕምልቲ ወይ ካልኦት ተኽልታት ንምትካል የውዕልዎ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ብኣመሓዳሪ ግዝኣት ዋሺንግተን ጀይ ኢንስሊ'ዩ ትማሊ ሰሉስ ጸዲቑ።

ካትሪና ስፓድ፡ እቲ ሕጊ ንኽጸድቕ ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ ሰባት ሓንቲ ኮይና፡ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ ፈለማይ ትካል ኣጣይሻ'ላ።

"እዚ ናብ ድኹዒ ናይ ምቕያር መስርሕ፡ ሬሳ ካብ ምዕቃብ፣ ምንዳድን ምቕባርን ዝቐረበ ተፈጥሮኣዊ፣ ውሑስን ምችውን ኣማራጺ እዩ። እዚ ከኣ መጠን ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍኖ ካርቦን [ዝተቓጸለ ኣየር]ን ኣጠቓቕማ መሬትን ዝቆጻጸር'ዩ" ክትብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪባ።

ብኸመይ ይሰርሕ?

ካትሪና ከም እትብሎ፡ ነቲ መስርሕ ዘፈጽም ትካላ፡ ነቲ ኣካል ሬሳ ምስ 'ኣልፋልፋ' [ሓረግ ዝመስል ቆጽሊ]፣ ርሺን ዝደረቐ ሳዕርን ካብ ሓጺን ኣብ ዝተሰርሐ ሳንዱቕ ክዕሸግ ይገብር።

እቲ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺጉ ን30 መዓልቲ ዝጸንሕ ኣካል ሰብ ድማ ተፈጥሮኣዊ ብዝኾነ መገዲ ናብ ልሙዕ ሓመድ (ድኹዒ) ይቕየር።

ምስ ኸባቢ ዝመሓዞ ኣማራጽታት ምቕባር ኣካል (ኣስከሬን) ሰባት ተፈላጥነትን ተመራጽነትን እናረኸበ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ወርሒ ዝሞተ ተዋስኣይ ሉክ ፔሪ፡ ካብ ቃንጥሻ (ቅንጥሻራ) ኣብ ዝተሰርሐ ክዳን ኣስከሬን ክዓርፍ'ዩ ተገይሩ።

ነቲ ክዳን ዝመሃዘ ጂ ሪሂም ሊ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ክዳን ኣስከሬን ናብ ሓመድ ኣብ ዝቕየረሉ እዋን ይኹን ክነድድ ክግበር ከሎ፡ ንመጠን በከልቲ ባእታታት ዝንክይ እዩ።

ኣብ ስዊድን ኣስከሬን ሰባት ናብ ድኹዒ ናይ ምቕያር መስርሕ ሕጋዊ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።