እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ኣብ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 13 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ሞይቶም
ኣብ ህንዲ ኣብ ጥቃ ከተማ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝእለይሉ ሓደ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 13 ሕሙማት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
እቲ ባርዕ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ ዘጋጠመ ኮይኑ: ካብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ክፍሊ ኣርባዕቲ ተሓከምቲ ብህይወት ወጺኦም ናብ ካልእ ሆስፒታል ተወሲዶም ምህላዎም ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።
ህንዲ ብካልኣይ ብርቱዕ ደግሲ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
ኣብ ህንዲ ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙ ከምዘሎን ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ዓራትን ቬንትለተራትን ኩሉ ተታሒዙ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ህንዲ ብዓርቢ 332,730 ሓዲሽ መልከፍቲ ከተመዝግብ እንከላ እዚ ቁጽሪ እዚ ኣብ 24 ሰዓታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ጠንቂ እቲ ኣብ ዞባ ማሃራሽትራ ዘጋጠመ ባርዕ ክጻረ ላዕለዋይ ሚኒስተር እቲ ዞባ ጸዊዑ ኣሎ፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ'ውን ነቲ ሓደጋ 'ዘሰንብድ' ድሕሪ ምባል ብመንገዲ ትዊተር ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ኣብ ህንዲ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ብናህሪ ይውስኽ ብምህላዉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ሚኒስተራት እተን ዝያዳ ተጠቂዐን ዘለዋ ዞባታትን ትካላት ኣፍረይቲ ኦክስጅንን ሎሚ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ኩነታት "ሓደጋ ሃገራዊ ጥዕና" ኢሉ ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ቀረባት ኦከስጅን ንኸሐይልን ነቲ ለብዒ ንምግታእን ስጉምትታት ክንድፍ ጸዊዑ።
ዞባ ማሃራሽትራ እታ ብሕጸረት ኦክስጅንን ቁጽሪ ሕሙማትን ዝያዳ ተሃስያ ዘላ ዞባ እያ።
ኣብታ ዞባ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታ ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ካብ ዝነበሩ ተሓከምቲ: ኦክስጅን ስለዝተቋረጾም 24 ከምዝሞቱ ተገሊጹ ነይሩ።
እቲ ምቁራጽ ናይ ኦክስጅን፡ ነቲ ዝተወደአ ኣጋንእ ኦክስጅን ንምምላእ ኣብ ዝተፈተነሉ፡ ላሕኵ ኦክስጅን ኣጋጢሙ እቶም ተሓከምቲ ብሕጽረት ኦክስጅን ከምዝሞቱ ተገሊጹ።