ታይታኒክ፡ ብህይወት ዝተረፉ ግን 'ዝጠፍኡ' ቻይናውያን ምንዳይ

ዓባይን ፍልይትን ብብሪጣንያ እትውነን ናይ ገያሾ መርከብ ታይታኒክ ኣብ ሚያዝያ 1912 ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ምስ ጠሓለት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተሳፈርታ ኣብቲ ቀዝሒ ዘለዎ ማይ ተበቲኖም።

ካብቲ ሓደጋ ክትሞልቕ ዝኸኣለት ሓንቲ ናይ ድሕነት ጃልባ ብህይወት ዝተረፉ ንምእላሽ ንድሕሪት ተመሊሳ።

ኣብቲ ጸልማት ለይቲ፡ ሓደ ቻይናዊ ኣብ ናይ ዕንጨይቲ ማዕጾ ጠቢቑ ብቑሪ እናኣንፈዝፈዘ ብህይወት ረኸብዎ።

እቲ ሰብ ፋንግ ላንግ ይበሃል፤ ሓደ ካብቶም ሽዱሽተ ካብ ሓደጋ ምጥሓል መርከብ ታይታኒክ ብህይወት ዘምለጡ ቻይናውያን እዩ።

እቲ ዝድሓነሉ መገዲ ኣብ ውርይቲ ፊልም ሆሊውድ 'ታይታኒክ' 1997 ተካቲቱ ኣሎ።

እዞም ሽዱሽተ ሰባት፡ ብተኣምራዊ መገዲ ካብቲ ሓደጋ ምምላጦም ግና መወዳእታ መከራኦም ኣይነበረን።

ቻይናውያን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከይኣትው ዝኽልክል ሕጊ ብምንባሩ፡ ኣብ ነቑጣ መርመሪ ኢሚግሬሽን ደሴት ኤሊስ፡ ኒውዮርክ ድሕሪ ምብጽሖም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ተባሪሮም።

እቶም ሽዱሽተ ሰባት ክሳዕ ሎሚ ኣበይ ከም ዝኣተው ኣይፍለጥን።

109 ዓመታት ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቻይና ዝተዘርግሐ 'ዘ ሲክስ' ማለት እቶም ሽዱሽተ ዝተሰምየ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ መንነቶምን ህይወቶምን ክገልጽ ክኢሉ እዩ።

እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ሽዱሽተ ቻይናውያን እንታዎት እዮም?

እቶም ውልቀ ሰባት ሊ ቢንግ፣ ፋንግ ላንግ፣ ቻንግ ቺፕ፣ ኣህ ላም፣ ቹንግ ፉን ሊንግ ሂን ይበሃሉ።

ንሳቶም ስራሕ ንምድላይ ናብ ሃገራት ካሪብያን ይጓዓዙ ምንባሮም ይእመን።

"ብሓባር ብምንባሮም፡ ብፍሉይ ዝፍለጡ እዮም" ይብል ዳይሬክተር 'ዘ ሲክስ' እንግሊዛዊ ኣርተር ጆንስ።

እቲ ስማት ናይቶም ቻይናውያን ኣብ ዝርዝር ስማት ተሳፈርቲ እታ መርከብ ነይሩ፤ ንምጥሓል እታ መርከብ ዝጸብጸቡ ማዕከናት ዜና'ውን ጠቒሶምዎም እዮም።

ዘይከም እቶም ካልኦት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምስጋናን ኣድናቖትን ዝረኸቡ ካብቲ ሓደጋ ዝወጽኡ ገያሾ ግና እቶም ቻይናውያን ጸለሎ ተቐቢኦም እዮም።

እቲ ምኽንያት ድማ ምዕራባውያን ኣብ ፈለማ መበል 20 ክፍለ ዘበን ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ካብ ዝነበሮም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዝብገስ እዩ።

ንኣብነት 'ዘ ብሩክሊይን ደይሊ ኢግል' ዝተባህለ ማዕከን ገለ መዓልታተ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ነቶም ቻይናውያን ጌና እቲ ሓደጋ ምስ ተቐልቀለ ናብተን ናይ ድሕነት ጃላቡ ዘሊሎም ብምእታው ኣብ ትሕቲ ኮፍ መበሊ ዝተሓብኡ "ፍጡራት" ክብል ገሊጽዎም።

ምርምራት ናይቲ ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ዘዳለወ ጉጅለ ግና እዚ ብሂል ሓቂ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጹ እዩ።

ሓደ ቻይናዊ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ መንበር ናይተን ናይ ድሕነት ጀላቡ ክሕባእን ክኽወልን ከም ዘይከኣል ኣርእዮም።

"ከም ዝመስለኒ ሎሚ'ውን ተመሳሳሊ ነገር ኢና እንርእይ። መራኸቢ ብዙሓን ንስደተኛታት ናይ ኩሉ ሽግራት ጠንቂ ክገብርዎም ንርእይ" ይብል ሚስተር ጆንስ።

ካልእ ማእከን ዜና ድማ እቶም ቻይናውያን ኣብተን ናይ ድሕነት ጀላቡ ቀዳምነት ምእንቲ ክወሃቦም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክዳውንቲ ብምልባስ ከም ዘደናገሩ ኣብቲ እዋን ከሲሱ።

ተመራማሪ ታሪኽ ታይታኒክ ቲም ማርቲን ግና እቶም ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ብምምሳል ከም ዘደናገሩ ዘርእይ መርትዖ ከም ዘየለ ይነግር።

"እዚ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ብመራኸቢ በዙሓንን በቲ ህዝብን ዝተፈጥረ ዛንታ እዩ" ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

እቲ ወረ ምናልባት እቲ ናይ ድሕነት ቀዳምነት ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ተዋሂቡ ክንሱ ዝበዝሑ ብህይወት ዝደሓኑ ሰብኡት ብምዃኖም ዝመጽአ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሚስተር ማርቲን ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ቻይናውያን ንኻልኦት ብህይወት ከድሕኑ ዝከኣሎም ፈቲኖም እዮም።

እቲ ኣብ ናይ ዕንጨይቲ ማዕጾ ተጣቢቑ ኣብቲ ውቅያኖስ ዘንሳፍፍ ዝነበረ ፋንግ ላንግ፡ ናብታ ዘድሓነቶ ጃልባ ድሕሪ ምሕኳሩ ንብዙሓት ሓጊዙ እዩ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ እንታይ ኣጋጢምዎም?

እቶም ቻይናውያን ካብ ኣሜሪካ ምስ ተሰጎጉ ናብ ኩባ እዮም ተላኢኾም።

ኣብ ብሪጣንያ ብሰንኪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ሕጽረት ባሕረኛታት ብምንባሩ ከይጸንሑ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሶም።

ቻንግ ቺፕ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ብሕማም ኒሞንያ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1914 ህይወቱ ሓሊፉ።

እቶም ዝተረፉ ክሳዕ እቲ እታ ሃገር ናብ ናይ ድሕረ ኲናት ቅልውላው ዝተሸመትሉን ጸረ-ስደተኛ ስምዒታት ዝሓየለሉ 1920 ኣብ ብሪጣንያ ብሓባር ክሰርሑ ጸኒሖም።

ገለ ካብኣቶም ብሪጣንያውያን ደቂ ኣንስትዮ ብምምርዓው ቆልዑ ወሊዶም።

እቲ ጸረ ስደተኛ ዝኾነ ፖሊሲ ግና ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ሓበሬታ፡ ንስድርኦም ሓዲጎም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣገዲድዎም።

ኣህ ላም ናብ ሆንግ ኮንግ ክባረር እንከሎ፡ ሊንግ ሂ ናብ ካልካታ ህንዲ፡ ሊ ቢንግ ድማ ናብ ካናዳ፡ ኣምርሑ።

ፋንግ ላንግ ድማ ካብን ናብን ብሪጣንያ ሆንግ ኮንግ ንዓመታት ድሕሪ ምምልላስ ኣብ መወዳእትኡ ዜጋ ናይታ ሓደ እዋን ዝነጸገቶ ሃገር ኣሜሪካ ክኸውን በቒዑ።

ኣብ መንጎ ሕሉፍ ታሪኽን ሎምንዘሎ ምምስሳል

ወዲ ፋንግ ላንግ፡ ቶም ፎንግ ዳርጋ ፍርቂ ዘመን ድሕሪ ምጥሓል ታይታኒክ ኣብ ሚሉዋኪ ዊስከንስን ተወሊዱ።

ንዓመታት ብዛዕባ እቲ ወላዲኡ ኣብታ "ዘይትጥሕል" ዝተባህለላ መርከብ ዘጋጠሞ ይፈልጥ ኣይነበረን።

"ንሱ [ፋንግ ላንግ] ብዛዕብኣ ክዛረብ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን" ይብል ሚስተር ፎንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ሚስተር ፋንግ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ኣብ 1985 ብሞት ተፈልዩ።

ሚስተር ፎንግ ግና ኣቦኡ ድሕሪ ምምዋቱ ድሕሪ 20 ዓመት እዩ ኣቡኡ ካብቲ ኣሰቃቒ ሓደጋ ብህይወት ከም ዝደሓነ ካብ ሓደ ኣባል ስድራቤቱ ሰሚዑ።

ሚስተር ፎንግ ኣቦኡ ነቲ ዛንታ ክነግሮ ዘይመረጸ ምናልባት ብሰንኪ ሕማቕ ተዘክሮን ብዛዕባኡ ዝውረይ ወረን ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"ኣብ ትሕቲ ጃልባ ተሓቢኦም፡ ከም ሰበይቲ ተኸዲኖም . . . ዝብል ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይናፈስ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን" ኢሉ።

ጉጅለ መጽናዕቲ ሰነዳዊ ፊልም 'ዘ ሲክስ' ንደቂ እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ንምርካብ ኣብ ዝጽዕርሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባኦም ዝውረይ ደስ ዘይብል ወረ፡ ብዙሓት ካብቶም ደቆም ክዛረቡ ድልዋት ከም ዘይነበሩ ይገልጹ።

ሎሚ ድሕሪ 100 ዓመታት'ውን እቲ ነቶም ሽዱሽተ ቻይናውያን ዘጋጠመ ተሞክሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ተወሊዑ ዘሎ ጸረ-እስያዊ ዓሌታውነት ይቃላሕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ካብ ናይ ቃል ወይ ዘረባ ክሳዕ ጎንጺ ዝሓወሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ጥቕዓት ጥርዓናት ተመዝጊቦም እዮም።

ሚስተር ፎንግ ንዛንታ ስድርኡ ከካፍል ፍቓደኛ ዝኾነ፡ ኣንበብቲ ንሓቀኛ ዛንታ ናይቶም ካብ ታይታኒክ ዝደሓኑ ቻይናውያን ምእንቲ ክፈልጡን ንህልው ኩነታት ከስተውዕሉን እዩ።

"ምኽንያቱ ነቲ ታሪኽ እንተዘይፈሊጥካዮ፡ ክድገም እዩ" ይብል ሚስተር ፎንግ።