እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ፡ ብትእዛዝ ኣዲኣ ዝጨወየት ጓል 8 ዓመት ህጻን ምስ ኣዲኣ ከምዝተረኸበት ተገሊጹ
ብሰሉስ ኣብ ምብራቕ ፈረንሳ ዝተጨወየት ጓል 8 ዓመት ህጻን፡ ምስ ኣዲኣ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዝተረኸበት ተሓቢሩ።
ፈረንሳዊ ኣኽባሪ ሕጊ ፍራንኮስ ፐራይን እታ ጓል 8 ዓመት ህጻን ኣብ ሓንቲ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን እትርከብ ሰይንት ክሮክስ እትብሃል ቁሸት ኣብ ሓደ ኣረጊት ፋብሪካ ምስ ምሉእ ጥዕናኣ ከምዝተረኸበት ኣብሪሁ።
ኣደ እዛ ህጻን ሎላ ሞንቶማጊ፡ 'ነቲ ጭውያ ንሳ እያ ኣዚዛ ኣፈጺማቶ' ተባሂላ ብፖሊስ ስዊዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ኣላ።
እዛ ኣደ፡ ንጓላ ካብ ዓባያ ነታ ህጻን ሰለስተ ሰብ ኣዋፊራ ከምዝጨወየታ እዮም ፖሊስ ስዊዘርላንድን ፈረንሳን ሓቢሮም ዘለዉ።
ፖሊስ ፈረንሳ እታ ጓል 8 ዓመት ህጻን ብሰሉስ ኣብ ምብራቅ ፈረንሳ ካብ እትርከብ ፖሊረስ ትብሃል ዓዲ ብሰለስተ ሰባት ተጨውያ ድሕሪ 20 ደቓይቕ ናብ ኣዲኣ ከምዝተረከበት እዮም ገሊጾም።
እታ ሕጻን ኣብ እዋን ጭውያኣ ዝወረዳ ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዘየለ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
ኣዲኣ ንጠበቓ ናይ ስድረኦም ንበይና ኮይና ብዙሕ ሰብ ዘይፈተኖ ናብራ ክትነብር ከምእትደሊ ምስ ሓበረት፡ እዛ ህጻን ምስ ዓባይ ክትነብር ቤት ፍርዲ ከምዘጽደቀላ እዩ ኣኻባሪ ሕጊ ፈረንሳ ዝሕብር።
እታ ነዚ ጭውያ ብትእዛዝ ከምዘፈጸመቶ ተሓቢራ ዘላ ወላዲት፡ ዘለዋ ሸይጣ ኣብ ልዕሊ መኪና ዝተሰርሐ ገዛ ክትነብር ከምእትደሊ'ውን ብተደጋጋሚ ትሕብር ምንባራ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
እቲ ጭውያ ብኸመይ' ተፈጹሙ?
ሓደ ካብቶም ጨወይቲ ኣብ መኪና ክጸንሕ እንከሎ፡ እቶም ክልተ ካብ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ህጻናት ምኳኖም ብምሕባር ናብ መንበሪ ቤት ዓባያ ነታ ህጻን ከይዶም።
ፈረንሳዊ ኣኽባሪ ሕጊ ፍራንኮስ ፐራይን፡ ዝተኻየደ መርመራ እቶም ሰለስተ ሰባት ነታ ቆልዓ ካብ ዓባያ ወሲዶም ምስ ኣዲኣ ናብ ሲዊዘርላንድ ከምዘስገርዋ ምፍላጦም ገሊጹ።
ናብ ስዊዘርላንድ ምስ ሰገራ ካልእ ሰብ ብመኪና ተቐቢሉ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን ዝርከብ ኢስታቫይር ዝተብሃለ ሆቴል ወሲድወን።
ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ትርከብ ኒዮቻተል እትብሃል ከተማ ከይዶም ሓደ ለይቲ ኣብኡ ድሕሪ ምሕዳር ናብቲ እታ ህጻን ዝተረኸበትሉ ኣረጊት ፋብሪካ ከምዝኸዱ ኣኽባሪ ሕጊ ፍራንኮስ ፐራይን ይገልጽ።
ኣደ እዛ ህጻን ዝኾነ ሎላ ሞንቶማጊ ፖሊስ ስዊዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዋ እንከለዉ ዝኾነ ተቃውሞ ከምዘየርኣየት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ሓቢሮም።
እታ ኣደ ናብ ፈረንሳ ንኽትርከብ ፈረንሳ ወግዓዊ ሕቶ ናብ ስዊዘርላንድ ኣቕሪባ ኣላ።
እታ ህጻን ቅድሚ ምስ ዓባያ ምርኻባ፡ ምስ ክኢላታት ናይ ስነ ኣእምሮን ማሕበራዊ ድሕነትን ብምርኻብ እኹል መርመራን ማዕዳን ተዋሂብዋ ኣሎ።
እቶም ጨወይቲኸ ብዓል መን'ዮም?
ምስ ምጭዋይ እዛ ህጻን ብዝተኣሳሰር ሓሙሽተ ሰባት ተጠርጢሮም እቶም ኣርባዕተ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ብጭውያ ትሕቲ ዕድመ ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ።
ፈረንሳዊ ኣኽባሪ ሕጊ ፍራንኮስ ፐራይን እቲ ጭውያ ልክዕ ከም 'ወተሃደራዊ ስርሒት' ከምዝተፈጸመ ብምሕባር እኹል ምድላዋት ዝተገበረሉን እቶም ጨወይቲ ንሓድሕዶም ዝረዳድእሉ 'ስርሒት ሊማ' ዝበል መረዳድኢ ቃል ከምዝነበሮም ገሊጹ።
እቶም ጨወይቲ ስኑዕ ታርጋ ናይ መኪናን 3595 ዶላር ባጀት ከምዝተሰለዓሎም'ውን እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።
ፖሊስ እኹል መንነት ናይቶም ጨወይቲ ከምዘይብሉን መርመራ ይገብር ምህላዉን እዩ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስተፈተሸ፡ ንዓባያ ነታ ህጻን ክብልዋ ዘለዎም ንድፊ ተጻሒፉ ከምዝጸንሖም ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሮም።
እቶም ካልኦት ሰለስተ ጨወይቲ'ውን 'ሳርቫይቫሊስት' ዝብል ስም ዝጽውዑ ኮይኖም ኣብ ዶብ ዝነብሩ ጸረ መንግስቲ ዝኾነ ኣራኣእያ ዘለዎም ሕሉፋት የመናውያን ምዃኖም ፖሊስ ዝገበሮ ምጽራይ የረድእ።
ኣኽባሪ ሕጊ ፈረንሳዊት ከተማ ኢፕናል ዝኾነ ኒኮላስ ሀርዝ ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ንነብሱ 'ተጻራሪ' ኢሉ ዝጽውዕን ኣብ ሓደ ኣብ ልበወለድ ዝርከብ ኣርሰን ሉፒን ዝብሃል ገጸ ባህሪ መሲሉ ዝነብር ምንባሩ ገሊጹ።
እዞም ጥርጡራት ነቲ ጭውያ ንኽፍጽሙላ ኣደ እዛ ህጻን ኣብ ኢንተርኔት ከምዝረኸበቶም'ውን ፖሊስ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።