ኣይ.ኦ.ኤም፡ ካብቶም ኣብ ጁቡቲ ኣብ ባሕሪ ዝጥሓሉ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተገሊጹ

ትማሊ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 42 ሰባት ከም ዝጥሓሉ ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (ኣይ.ኦ.ኤም) ኣፍሊጡ።

እታ ጃልባ "ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ትምራሕ" ዝነበረት ምዃና ዝገልጽ እቲ ትካል፡ ኣብ የመን ዘሎ ኲናት ሰጊኦም ናብ ጅቡቲ ዝሰግሩ ዝነበሩ 60 ስደተኛታት ሒዛ ምንባራ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ሕጻናት ከምዝነበሩ'ውን እቲ ትካል ጠቒሱ።

እቶም ኣብ ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ካበይ እዮም?

ወሃቢት ቃል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (ኣይ.ኦ.ኤም) ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕን ይቮን እንደጌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ተሪፎም ኣይ.ኦ.ኤም ዘዘራረቦም፡ መብዛሕትኦም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ምንባሮም ገሊጻ።

አይ.ኦ.ኤም ብወልንትኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ስደተኛታት ዕድላትን ውሑስ መገድን ንምምችቻእ ክድግፍ ምጽንሑ እትገልጽ ይቮን እንደጌ፡ "ሎሚ መዓልቲ [ሰሉስ] ካብ የመን ከተማ ዓደን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ንዝደልዩ፡ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣዳሊና ኣለና'' ኢላ።

ኣይ.ኦ.ኤም፡ ኣብ የመን ልዕሊ 6000 ስደተኛታት ብገዛእ ፍቃዶም ንዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ መዝጊቡ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።

ካብቶም ኣብቲ ባሕሪ ዝጥሓሉ ህጻናት'ውን ከምዝርከብዎም፡ እቶም ስደተኛታት ካብ የመን ገማግም ባሕሪ ዓደን ተበጊሶም ናብ ጁቡቲ ንኽኸዱ እታ ጀልባ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ብሰኑይ ንጉሆ ነቶም ስደተኛታት ሒዛ ከምዝተገምጠለት ገሊጻ።

ብምስዓብ "ኣይ.ኦ.ኤም ምኽንያት ምግምጣል እታ ጃልባ ኣይፈለጠን ዘሎ። መብዛሕትአን እዘን ጀላቡ ብጸልማት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ልዕሊ ዓቕመን ሰባት ጽዒነን ዝጉዓዛን ውሕስነት ዘይብለንን እየን" ኢላ።

ዘሻቕል ኩነታት ስደተኛታት

ኣይ.ኦ.ኤም፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ስራሕ ንምርካብ ኢሎም ኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ዝጥቀሙ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኩነታቶም ከምዘሻቕሎ ገሊጹ ኣሎ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዶብ ብዙሓት ሃገራት ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ብዙሓት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ብኣስገዳድ ንዘይሕጋውያን ንኣስገርቲ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ ጸብጻባት አይ.ኦ.ኤም ይሕብሩ።

ወሃቢት ቃል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (ኣይ.ኦ.ኤም) ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕን ይቮን እንደጌ ከምዝሓበረቶ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዶባትን በረራታትን ስለዝተዓጸወ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ የመንን ኣብቲ ዞባ ኣብ ካልኦት ሃገራትን ተዓጊቶም ከምዘለዉ ኣረዲኣ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ኩነታት ናይ የመን ተዓጊቶም ንጸገም ምቅልዖም ይዘከር።

ኣብ 2019 ዝወጽአ ጸብጻብ ኣይ.ኦ.ኤም ከምዝሕብሮ፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑድያ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም የነጽር።

እቲ ጠንቂ ስደት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ዝግለጽ ቁጠባዊ ጸገማት፤ ደርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ናብ ስዑድያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ኣይኦኤም ኣብ 2019 ጥራይ ኣስታት 140,000 ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ይሕብር።

ሁይማን ራይትስ ዎች፡ ኣብዚ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሰባት ዝጨውዩ ሰብ መዚ የመንን ነዞም ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ስድራ እዞም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ከምዘገድድዎም ሰነዳት ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።