እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
አይ.ኦ.ኤም፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ጃልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 42 ስደተኛታት ሞይቶም
ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ብምግምጣላ ብውሕዱ 42 ሰባት ከም ዝጥሓሉ ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም) ኣፍሊጡ።
እታ ጃልባ "ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ትምራሕ" ዝነበረት ምዃና ዝገልጽ እቲ ትካል፡ ኣብ የመን ዘሎ ኲናት ሰጊኦም ናብ ጅቡቲ ዝሰግሩ ዝነበሩ 60 ስደተኛታት ሒዛ ምንባራ ሓቢሩ።
ምኽንያት ምግምጣል እታ ጃልባን መንነት ናይቶ ስደተኛታት ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
አይ.ኦ.ኤም፡ ሕጂ'ውን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ስራሕ ንምርካብ ኢሎም ኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ዝጥቀሙ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኩነታቶም ከምዘሻቕሎ ገሊጹ ኣሎ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዶብ ብዙሓት ሃገራት ተዓጽዩ ብምህላዉ ብዙሓት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግደዱ ከም ዘለው'ውን ኣዘኻኺሩ።
ካብዚ ብዝብገስ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ የመን ከም ዘለውን "ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት" ይነብሩን ኣሰጋገርቲ ብኣስገዳድ ናብ ሃገሮም ከም ዝመልሱዎምን እቲ ትካል ሓቢሩ።
በዚ መስመር ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብታ ብኲናት ሓድሕድ እትሕመስ ዘላ የመን ከምዝሰግሩ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ኩነታት ናይ የመን ተዓጊቶም ኣብ ጸገም ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር።
እቶም ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንምእታው'ዮም ንየመን ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣሰጋገርቲ፡ ንኣስታት 80 ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብታ ተሰቒሎማ ዝነበሩ ጃልባ ናብ ባሕሪ ደፊኦም ድሕሪ ምውራዶም 20 ሰባት ከምዝጠሓሉ ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም) ሓቢሩ ነይሩ።
ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ሓደጋታት የጋጥም እንተሎ ናብ ጅቡቲ ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ'ዩ ዝውስኽ ዘሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ አይ.ኦ.ኤም፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 2343 ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ኣትዮም። ምስቶም ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝኣተዉ 1900 ስደተኛታት ብምንጽጻር እቲ ቁጽሪ ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ።
እቶም ዝብዝሑ ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝምለሱ ዘለዉ ስደተኛታት፡ በቲ ኣብ የመን ዘሎ ኵነታት ሰኪሖም ናብ ዓዶም ዝምለሱ ኢትዩጵያውያንን ሶማላውያንን'ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንየመን ኣቋሪጾም ናብ ወሽመጥ ዓረብ ክኣትዉ ዝሃቀኑ ስደተኛታት ኣብ የመን ከምዝርከቡ እዩ ዝግለጽ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ኵናት ሓድሕድን ቑጠባዊ ቅልውላውን፡ ዝብዝሑ ካብቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዘይማይ፡ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ሕክምናን ውሕስነት ጸጥታን ፈቀድኡ ፋሕ ኢሎም ከምዝርከቡ ጸብጻብ ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት የመልክት።
እቶም ስደተኛታት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ፡ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ጅቡቲ ዘብጽሕዎም ኣሰጋገርቲ ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ'ውን ይግለጽ።
ኣብ የመን ልዕሊ 6000 ስደተኛታት ብገዛእ ፍቃዶም ንዓዶም ክምለሱ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ ኣይኦኤም ይሕብር።