እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ጁቡቲ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ኣዊጁ
ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ኩሉ ኣብ ጁቡቲ ዘለዎ ጨናፍሩ፡ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ይረአ ስለዘሎ እዋጅ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽተይ ሃገረ ጁቡቲ ዛጊት 986 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት ክልተ ሰባት ተመዝጊቡ'ሎ።
እቲ ካብ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወጽአ መገለጺ፡ እዚ ምእዋጆም ንኮቪድ-19 ንምቁጽጻርን ሰራዊት ኣሜሪካን ጁቡትን ድሕነቶም ንኽሕሎን እኹል ቅድመ ምድላዋት ንኽገብሩን ምሉእ ስልጣን ንኽህልዎም ከምዝሕግዝን ይገልጽ።
እቲ ኣዋጅ፡ ንኣብያተ ጽሕፍት፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት እቲ ሰራዊት፥ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሊሞነር ጅቡቲ ዝረክቡ ሲቪል ተኾናተርትን፤ ኣብቲ ብኣሜሪካ ዝመሓደር መዓስከር ሓይሊ ኣየር ቻቤሊ ዝርከቡ ንኹሎም ከምዝምልከት'ውን ተገሊጹ።
እቲ ኣዋጅ ን30 መዓልታት ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ኣብ ወደብ ጁቡቲ ንዝሰርሑ ኣሜሪካውያን'ውን ከምዘጠቃልል ተሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ምህላዎምን ዘየምህላዎምን ኣየነጸረን።
ሰራዊት ኣሜሪካ ጸረ ግብረ ሽበራ ስርሒታት ንምግባር ብዝብል ዕላማ ሶማልያ እትርከብን ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝለዎ ይፍለጥ።