ኮሮናቫይረስ፡ ጻዕቂ ክፍልታት ንምጉዳል ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ተወሲኑ

ተምሃሮ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ሎሚ ከም ዝተኸፍታ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን፡ ለብዒ ናይቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ብሰለስተ እብረ ስርሐን ክጅምራ ከምዝተወሰነ ተገሊጹ።

"ኣብ ክፍሊ ንዝህሉ ጻዕቂ ንምጉዳል ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ምዃነንን፡ ነቲ ኣብኡ ክፍጠር ዝኽእል ለብዒ ናይ ምክትታል ኣገባባት ክትግበር ምዃኑን" ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ።

ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ትሑት መጠን መልከፍቲን ሞትን ዘለዋ ሃገር'ኳ እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ለብዒ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክቱ።

ድሕሪ ዓመት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምለሳ ዘለዋ ትምሃሮ ኣእዳወን እናጽረያ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጁ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምፍኳስ እገዳታት ክገብር ጀሚሩ'ሎ።

ብዘይካ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ይኹን ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ጀሚሩ ይርከብ።

ክሳብ ሎሚ 1 ማዝያ፡ 3308 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ (3049) ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።

እቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ድማ 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ትማሊ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ሓደ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሐ ወዲ 84 ዓመት ብሞት ከምዝተፈልዩ ጠቒሱ።

እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ዕጽዋን እገዳታትን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ይንገር።

ኮሮና