ኮሮናቫይረስ፡ ጻዕቂ ክፍልታት ንምጉዳል ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ሎሚ ከም ዝተኸፍታ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ።
እንተኾነ ግን፡ ለብዒ ናይቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ብሰለስተ እብረ ስርሐን ክጅምራ ከምዝተወሰነ ተገሊጹ።
"ኣብ ክፍሊ ንዝህሉ ጻዕቂ ንምጉዳል ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ምዃነንን፡ ነቲ ኣብኡ ክፍጠር ዝኽእል ለብዒ ናይ ምክትታል ኣገባባት ክትግበር ምዃኑን" ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ።
ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ትሑት መጠን መልከፍቲን ሞትን ዘለዋ ሃገር'ኳ እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ለብዒ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክቱ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጁ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምፍኳስ እገዳታት ክገብር ጀሚሩ'ሎ።
ብዘይካ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ይኹን ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ጀሚሩ ይርከብ።
ክሳብ ሎሚ 1 ማዝያ፡ 3308 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ (3049) ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።
እቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ድማ 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ትማሊ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ሓደ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሐ ወዲ 84 ዓመት ብሞት ከምዝተፈልዩ ጠቒሱ።
እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ዕጽዋን እገዳታትን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ይንገር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







