ኤርትራ፡ ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚረን ክኽፈታ ምዃነን ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, D.K
ኣብ ኤርትራ ኩለን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ክኽፈታ ምዃነን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ንውሳነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ መውኣለ-ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ፡ ካብ 1 ሚያዝያ ጀሚረን ክኽፈታ'የን።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣካል ምፍኳስ ዕጽዋን እገዳታትን ናይቲ ለበዳ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።
ህዝባዊ መጓዓዝያን ንግዳዊ በረራታትን'ኳ ክሳብ ሕጂ ተኣጊዱ እንተሃለወ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ከተማታት ምፍኳስ ናይቲ ዝነበረ ተረር ዕጽዋ ከምዝተራእየ ይግለጽ።
ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ 26 መጋቢት 2020 ጀሚረን ንኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይምቁራጽ ተዓጽየን ምጽንሐን ይፍለጥ።
እታ ሃገር ካብተን ዝተረረ ዕጽዋታትን እገዳታትን ኮሮናቫይረስ ዝኣወጃ ሃገራት'ያ።
ኣቐዲሙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኮለጃትን እታ ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሳዋ እትርከብ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝዛዝሙላ ቤት ትምህርትን ክኽፈታ ተወሲኑ ምንባሩ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 3 ወርሒ፡ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ዛጊት፡ 3,118 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም 2,865 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።
ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ ቁጽሪ መልክፍቲ ካብ 2,000 ናብ ልዕሊ 3,000 ክብ ኢሉ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 7 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ምህላዎም ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







