ህዳሰ ግድብ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኲናት ክለዓል ተኽእሎ ኣሎ'ዶ?

ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ብጉዳይ ህዳሰ ግድብ ክሰማምዓ ዘይከኣላ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብቓላት ዝዋግኣ ዘለዋ ይመስላ።

ሱዳን መሬተይ እዩ ንእትብሎ፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ሓሪሶም ክነባበሩሉ ንዝጸንሑ ቦታታት ብሓይሊ ምስተቖጻጸረቶ ምስ ኢትዮጵያ ብዶባት ተፋጢጠን ኣለዋ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ። እቲ ስምምዕ ከኣ ካብ ወተሃደራዊ ስልጠና ክሳብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዝኸይድ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ አሕመድ ዝሓለፈ ሰኑይ 14 መጋቢት 2013 ዓ. ም [ብኢትዮጵያ] ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀሪቡ ካብቲ ብዙሕ ዘልዓሎ ጉዳያት ሓደ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ እዩ።

"ኢትዮጵያ ንግብጽን ይኹን ንሱዳን ናይ ምጉዳእ ድላይ የብላን። ይኹን እምበር ንሕና'ውን ኣብ ጸልማት ክንነብር ኣይንደልን ኢና። ናትና ዕቤት/ብርሃን ንዐአን ዝጠቅም እምበር ዝጎድእ ኣይኮነን" ክብል ግድብ ህዳሰ ንኽልቲአን ሃገራት ብዘይጎድእ መገዲ ምህናጹ ከምዝቕጽል ኣረጊጹ ተዛሪቡ።

ንምዃኑ ስለምንታይ እየን እዘን ሰለስተ ሃገራት ሕጂ ናብ ዝኸረረ ምፍጣጥ ኣትየን? እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግድብ ህዳሰ’ዶ ይኸውን?

ሱዳን ድሕረ አልበሽር

ነባሪ ለንደን ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ስዒድ አቡሃሽም፤ " እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምፍጣጥ ሱዳን መርገጺኣ ስለዝቐየረት እዩ" ይብል።

"ንኣባይ ብዝምልከት ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን መርገጺ ሓደን ተመሳሳልን እዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ ሱዳን ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለን ትጽቢት ዘይተገብሮን እዩ ክበሃል ይከኣል" ክብል ከም ምኽንያት ነቲ ኣብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝመጽአ ምዃኑ ርእይቶኡ የቐምጥ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተኸስተ ናይ ዶብ ወጥሪ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ስለእተጸምደት ምኽንያት ረኺባ ዝኣተወቶ እምበር ብሓባራዊ ኮሚተ ብዘተ ክፍታሕ ዝከኣል ነገር ምዃኑ ይጠቅስ።

አቶ ዓብዱራሕማን ከምዝብሎ፡ እቲ ናይ ሱዳን ሓይሊ፡ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ዶብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ንምርግጋእ ዝተጠቕመሉ ምኽንያት እዩ ኢሉ ይኣምን። እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ሱዳን በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት መርገጺኣ ከምዝቐየረት ይዛረብ። ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከብ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዶክተር አደም ካሴ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ኣቶ ዓብዱራሕማን ይሰማማዕ።

"ሱዳን ኣብ እዋን ኣልበሽር ምስ ኢትዮጵያ ዝመሳሰል መርገጽ ነይሩዋ። ይኹን እምበር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምስተኣልየ ገና ሓያልን ጽኑዕን መንግስትን ኣይፈጠረትን ዘላ። ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመርሕ ክፍሊ ኣሎ። ኣብኡ ከኣ “ፈጣን ሓይሊ” ዝበሃል ውዳበ ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ሓምዶክ ዝመርሖ ሲቪላዊ ኣመራርሓ ኣሎ። እቶም ክልቲኦም ኣመራርሓ ዝጒስጉስሉ መርገጽ ተመሳሳሊ ኣይኮነን" ይብል አደም።

ከምቲ ዓብደራሕማን ዝበሎ እቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ዝመሳሰል መርገጺ ዝነበሮ እቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ሓምዶክ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስቲ እዩ።

እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ ኲናት ምስ ኣተወት ናይ ሱዳን ሰራዊት ዓቕሙ ከደልድል ከምዝጸንሐ ዶ/ር ኣደም ይገልጽ።

"እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ከኣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝርርብን ስምምዕን ዝሓሸ ረብሓ ክንረክብ ንኽእል ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ይመስለኒ” ይብል።

ክልቲኦም ተንተንቲ ፖለቲካ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዶባት ግጭት ነቲ ናይ ህዳሰ ግድብ ከም ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ኣለዎም።

ካብ ግጭት ሱዳንን ግብጽን ዝረብሕ መን እዩ?

ሱዳን መርገጺኣ ቀይራ ናብ ግብጺ ዛዝያ ኣላ። ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስምምዕ ገይረን ኣለዋ። እሞ ካብዚ ስምምዕ እዚ መን እዩ ዝረብሕ ግብጺ’ዶ ሱዳን?

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ጥራሕ ዘይኮነ ጉዳይ ዶብ'ውን ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ሱዳናውያን ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነቲ ጉዳይ፡ ናይ ግድብ ህዳሰ’ዶ ናይ ዶባት ዛዕባ ኢሉ ነጻጺሉ ክርእዮ ኣይደልን እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ሱዳንን ግብጽን ሰፊሕ ስምምዕ እዩ ዘለዎም። ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣለዎም። ካልእ ርክብን ስምምዕን ኣለዎ። ስለዚ ኢትዮጵያ ብዘጋጥማ ተጽዕኖ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ዘለዋ መርገጽ እንተዝሒላቶ ግብጺ ትጥቀም ሱዳን እውን ትረብሕ። ስለዚ እቲ ጠቕሚ ናይ ክልቲኡ እዩ” ይብሉ።

ይኹን እምበር ይብል ኣደም . . . "ከምቲ ሓደ ሓደ ሰባት ዝብልዎን ዝፈርሑዎን ሱዳን ናብ ምሉእ ኵናት እንተደኣ ኣትያ ካብ እተጥቀሞ እትጉድኦ ክበዝሕ እዩ።"

"ከምዝፍለጥ ቁጠባኣ ድኹም እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት እታ ሃገር ኵናት ኣሎ። ኵናት እንተተጀሚሩ ከምቲ ኢትዮጵያ እትጉድኦ ሱዳን እውን ክትትንከፍ እያ። ካብቲ ኵናት እትረብሕ ሃገር ግን ግብጺ እያ። ኩናት እንተዘይተጀሚሩ ግን ሱዳን ካብ ግብጺ ሓገዝ ትረክብ ስለዘላ [ግብጽን ሱዳንን] እየን ዝጥቀማ።"

አቶ አብዱራሕማን ብወገኑ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘይምርግጋእ ንግብጺ ይጠቅም እዩ ንዝብል እምነት ኣይሰማማዓሉን እዩ።

"ርግጽ እዩ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኩናት ሓድሕድ ብምጽንሓ ግብጺ እኹል መጠን ማይ ትረክብ ብምንባራ ተመቹኡዋ ነይሩ እዩ። ናይ ሱዳን ብጽሒት ማይ ከይተረፈ እውን እያ ትወስድ ነይራ። ይኹን እምበር እቲ ጉዳይ ስትራቴጂካዊ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ነዚ ናይ ሕጂ ጥቕሚ እምበር ናይ መጻኢ ረብሓ ዝሓሰበ የለን” ይብል።

"ኣነ ኣብ ሜድያታት ግብጺ ቀሪበ ብዓረብኛ ቃለ መሕትት ኣብ ዝህበሉ እዋን፡ ንስኻትኩም እትደልዩዎ ማይ እዩ። እቶም ካልኦት ዝደልዩዎ ከኣ ሓይሊ ኤለትሪክ እዩ። ንጸዓታዊ ድሌታቶም ብከም ናይ ጸሓይን ንፋስን ዝኣመሰለ ካልእ ኣማራጺታት እንተትሕግዙዎም ሎሚ ዝያዳ ዕድል ምነበረኩም። እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ኣይምመጸን” ይብሎም እየ።

ሕጂ እውን ግብጺ፡ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ናይ ሓባር ረብሓ ምድላይን ምስሳይን እምበር ብዘይምርግጋእ ጎረባብቲ ሃገራት ጥራሕ ክረብሑ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ኣየዋጽእን እዩ ይብል ኣቶ ዓብዱራሕማን።

ናይ ብሓቂ ኵናት ይመጽእ’ዶ ይኸውን?

ኣቶ ኣደም ብምኽንያት ኣጠቓቕማ ማይ-ኣባይ ኵናት ክስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"ናብ ኵናት ምእታው ድሌት እውን እንተዘየሎ እቲ ሓደ ወገን ግጉይ ገምጋም ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ካልእ ወገን እንታይ ክገብር ይኽእል ኢልካ እናሓሰብካ ኢኻ ስጉምቲ ትወስድ። ምሉእ ሓበሬታ እንተዘይብልካ ግጉይ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ግጉይ ሓበሬታ እንተሎ እዩ ነቲ ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይገብሮ ስግኣት ኣሎኒ” ይብል።

ስለዝኾነ፡ አደም ክልቲአን ሃገራት [ኢትዮጵያን ሱዳንን] ብዘለዎም ውሽጣዊ ጸገማት ኵናት ኣይደልዩን እዮም ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

"ነገር ግን እቲ ናይ ኵናት ድግስ/ ነጋሪት ኵናት ክውቃዕ ኣይጸልኡዎን እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ብፍላይ እቲ ናይ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ነታ ሃገር ንምብርባር ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ብወገን ኢትዮጵያ እውን ከምኡ። ናብ ኩናት ክኣተዉ ግን ዓቕምን ድሌትን ዘለዎም ኣይመስለንን። ግን ከኣ ጌጋታት ክፍጸም ይኽእል ዝብል ስግኣት እውን ኣለኒ” ይብል።

መንግስቲ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር ምቁጽጻር የብሉን። ግን ከኣ ኣብ ሱዳን ኮነ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዘይቆጻጸሮም ሓይልታት ስለዝህልው ጌጋታት ከይፍጸም ይሰግእ።

ኣቶ ዓብዱራሕማን ግን ኵናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"ብሚእታዊት ኣቕርቦ እንተይልካኒ ሓምሳ ካብ ሚእቲ ወይ እውን ትሕቲኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ወጥሪ ግን እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እታ ካልእ ጸቕጢ ንምፍጣር እምበር ናይ ኵናት ድሌት ዘሎ ኣይመስለንን” ይብል።

ነባሪ ለንደን ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ጉዳያ ተዋጢራ ግብጽን ሱዳንን እቲ ኩነታት ምቹእ እዩ ክብሉ ይኽእሉ እዮም።

"ሱዳንን ግብጽን እዚ ገዱይ እዚ ዘላቒ ፍታሕ እንተዘይተገይርሉ ብቐሊሉ ክፍታሕ ከምዘይክእል ይፈልጡ እዮም። እዚ ገዱይ እዚ በዚ ሕጂ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እኳ እንተዘይተላዕለ በቲ ቐጺሉ ዝመጽእ መንግስቲ ምልዓሉ ኣይተርፎን እዩ። ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ እዚ ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን ክለዓል ጸኒሑ እዩ።”

ስለዚ እቲ ነገር ዓቕምኻ ናይ ምርኣይን ተጽዕኖ ናይ ምፍጣርን ጉዳይ እዩ እምበር ናብ ኵናት ናይ ምእታው ድሌት ዘሎ ኣይመስለንን ይብል።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር “ኣብ ዘየድሊ ኵናት ኣይንኣቱን ኢና። ብዝተኻእለ መጠን ብዘተ ክንፈትሖ ኢና” ክብል ጻዕሪ ከምዘካይድ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኵናት ከመይ ክኸውን ይኽእል?

ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዶባት እንተተዋጊኦም ግብጺ ምስ ሱዳን ክትስለፍ ትኽእል እያ ይብል። ይኹን እምበር ሕጂ፡ ሱዳን፡ ንግብጺ ተኣማሚና እንተዘይኮይና፡ እትረፍ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ጸገም እንከላ፡ ኣብቲ ተረጋጊኣትሉ ዝነበረት እዋን እውን እንተኾነ ዓቕሚ ኣለዋ ኢለ ኣይኣምንን እየ ይብል።

"ስለዝኾነ ሱዳን ካብ ኵናት ትጥቀሞ ነገር የብላን። እቲ ኵናት ኣይምጻእ ደኣ እምበር ኵናት እንተመጺኡ ግብጺ ምስ ሱዳን ክትስለፍ እያ። ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዝነት ኣለዎ። ናይ ክልቲኦም መንግስታት ስምምዕ ክሳብ ጸጥታዊ ጉዳይ ከይዱ ኣሎ። ሱዳንን ግብጽን እንተሓቢሮም ምሕዝነት ኢትዮጵያና ኤርትራን ከኣ ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይምሰለንን"

ዶክተር ኣደም ብወገኑ፡ እቲ ኵናት ምስተጀመረ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ክግመት ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ ነብሱ ወከፍ ዓዓቕሙ ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን እዮም።

"ግብጻውያን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም እንተኣሚኖም ኣብ ዓዶም ኮይኖም ክትኩሱ ይኽእሉ እዮም። ሱዳን እውን ብዓቕሚ ሰብን ብኣጽዋርን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ኣገዳሲ እዩ ኢሎም እንተኣሚኖም ነቲ ግድብ እውን ክወቕዕዎ ይኽእሉ እዮም። ብሓጺሩ እቲ ኵናት እንተተጀሚሩ መን እንታይ ከምዝገብር ንምግማት ኣጸጋሚ እዩ።”

ዶር አደም እውን ብወገኑ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውግን ከምዝኽእል ይኣምን።

"ቀንዲ ዕላማ መንግስቲ ኤርትራ ንህወሓትን ምጥፋእ ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሱዳን ኮነ ብኻልእ ክጽመድ ኣይደልን እዩ። ኤርትራ ብዝተኻእለ መጠን ምስ ሱዳን ሰላም ክፍጠር እያ ትደሊ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስራሕ እንተበዚሑዎ ህወሓት ንምጥፋእ ዝግብር ወፍሪ ኣይሳለጥን እዩ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኸዱሉ ምኽንያት ተጽዕኖ ንምፍጣር ክኸውን ይኽእል እዩ።"

ተራ ካልኦት ሃገራት’ከ?

ክልቲኦም ተንተንቲ ፖለቲካ ብተራ ካልኦት ሃገራት ኣይሰማምዑን እዮም። ዶክተር ኣደም ድሕሪ ኩናት ክልል ትግራይ ተራ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ ተዳኺሙ እዩ ይብል።

አቶ ዓብዱራሕማን፡ ኢትዮጵያ፡ ካብ ግብጽን ሱዳንን ንላዕሊ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ጽልዋን ተራን እዩ ዘለዋ ይብል። ዶር ኣደም ከኣ፡ ኵናት እንተጋጢሙ፡ ሃገራት ታሕታይ ተፋሰስ ኒል ኣብቲ ኵናት ብቐጥታ እኳ እንተዘይተሳተፋ ምስ ግብጽን ሱዳንን ክውግና እየን ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ንኣብነት ንዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ምስ ግብጺ ስምምዕ ካብ ትገብርን ቁጠባውን ወተሃደራውን ደገፍ ካብ እትገብርን ጸኒሓ ኣላ። ብዲፕሎማሲ ግን ናብ ሱዳንን ግብጽን ክዝንብላ ይኽእላ እየን።” ይብል።

አቶ ዓብዱራሕማን ከኣ ሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያ ብዘለወን መልክዓ ምድራዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ምትእስሳር ስለዘለዎም ምስ ኢትዮጵያ ክውግና ይኽእላ እየን ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

እንተኾነ በዓል ኮንጎ ምናልባት ንግጺ ክድግፋ ወይ ከኣ ጸግዒ ከይሓዛ ስቕ ክብላ ይኽእላ እየን ይብል አቶ ዓብዱራሕማን። እተን ሓያላን ሃገራት ከኣ ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ዘይቀጥታዊ ተራ ክህልወን ከምዝኽእሉ ይኣምኑ።

ግብጺ ኣብቲ ሓባራዊ ዘተ ሰለስተ ሃገራት ኣመሪካ ክትሳተፍ ትደሊ። ኢትዮጵያ ግን እቲ ዘተ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ከም በዓል ቱርኪ፡ ኢሜሬት፡ ቀጠር ኣብዚ ጉዳይ ጣልቃ ክኣትዋ ይኽእላ እየን ዝብል እምነት'ውን ኣሎ።

ዶር ኣደም ኣብ ዓረብ ሊግ ዝሕቆፋ ሃገራት ንግብጺ ክድግፋ ጸኒሐን እየን። ቱርክን ግብጽን ዝምስገን ስምምዕ እኳ እንተዘይጸንሐን ሕጂ ግን ርግእ ዝበለ ይመስል። ስለዚ ንግብጺ ምድጋፋ ዘይተርፍ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ንዝህልዋ ተራ ክብ ንምባል ፈለማ ኣብ ሃገር ንዘሎ ዘይምርግጋእ ከተህድኦ ኣለዋ። ካብኡ ተረፍ ኣብ ጉዳይ ዶባት ኮነ ህዳሰ ግድብ ናይ መርገጺ ለውጢ ክኽሰት ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ ዘይሩ ዘይሩ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ዘይምርድዳእ ከጋድዶ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ ኣደም።

ስለዚ ከኣ እዩ እቲ ምሁር ኢትዮጵያ ዘለዋ ሓደ ኣማራጺ ናይ ውሽጢ ሃገር ፖለቲካ ምርግጋእ ጥራሕ እዩ ዝብል። ዝተረጋግአት ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ እውን ለውጢ ከተምጽእ ትኽእል እያ ይብል።

ኣብ መንጎ እተን ሰለስተ ሃገራት ዘሎ ናይ ግድብ ዘተ መፍትሒ ኣይተረኽቦን። ምናልባት ኣብ ዝቕጽል ኣኼባታት ዘተ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ይበጽሓ ይኾና። እዚ ከኣ ኣብ መጻኢ ዝረአ እዩ።