እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ልዝብ ግድብ ህዳሰ ዓለማለኻዊ ሸምገልቲ ክሕወስዎ ብዕሊ ሓቲታ
ሱዳን ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ዘተ ክሰፍሕን ዓለምለኻዊ ሸምገልቲ ክሕወስዎን ብዕሊ ሓቲታ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናብ ሕብረት ኣውሮጳን ደብዳበ ጽሒፉ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃምዶክ፡ ኣብቲ ደብዳቢኡ፡ "ኣብ መንጎ ዝምልከተን ሃገራት ሓደ ገዛኢ ስምምዕ ከይተገብረ"፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ወርሒ ሰነ እቲ ግድብ ካልኣይ ብርኪ ናይ ምምላእ ትልሚ ኣለዋ ዝብል ቅሬታ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ: እቲ ልዝብ ዓለምለኻዊ ኣካላት ኣብ ዘለውሉ እንተተኻይዱ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ናይ ምትእምማን መንፈስ ክፍጠር ይሕግዝ ኢሉ።
ነቲ ሃገራዊ ቁጠባኣ ከም ዓብዪ እታወት ጸዓት ክኾን እትትስፉ ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ፡ ካልኦት ሸምገልቲ ክትሓውስ ኣይትፈቅድን።
ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ኣሸማገልቲ ዝፍተን ልዝብ ዛጊድ ኣይሰመረን።
ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ሩባ ኣባይ [ኒል] ዝተመርኮዘ ህይወት ዘለዋ ግብጺ፡ እቲ ግድብ ዋሕዚ ናይቲ ማይ ክዓግቶ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።
ህንጸት እቲ ግድብ ንሱዳን ካብ ሓደጋታት ዕልቕልቕን ውሑጅን ከምዝሕግዛ ሰብ ሞያ እንተተዛረቡ'ኳ፡ ውግንናኣ ምስ ግብጺ እዩ ዘሎ።