እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እናኸረረ ዝመጽእ ዘሎ ጎንጺ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ናብ ወታሃደራዊ ግጭትን ወግዓዊ ምክሳስን ኣምሪሑ ይርከብ።
ወታሃደራት ሱዳን ኢትዮጵያውያን ዝሓርስዎ ሕርሻታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድሌት ከም ዘለዋ'ኳ እንተገለጸት፡ እቲ ወጥሪ እናገደደ ይመጽእ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ወተሃደራዊ ነፋሪት ኢትዮጵያ ዶብ ጥሒሳ ናብ መሬት ሱዳን ኣትያ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ 'ሓደገኛን ነቲ ወጥሪ ዘጋድድን' ኢልዎ።
እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ተግባር "ሓደገኛን ኣብቲ ዶብ ዘሎ ወጥሪ ንኽዓርግ ምኽንያት ዝኸውንን" ብምባል ንካልኣይ ግዜ ከይድገም ከም ዘጠንቀቐ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ዛጊድ ካብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ሰብመዚ ሱዳን ዝፈጠርዎ እምበር ፖሊሲ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ኣይኮነን- እዮም ዝብሉ።
ሚኒስተር ዜና ሱዳን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ዝጸንሐ መሬቱ ንምምላስ ዝወሰዶ ዘይቅየር ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
"እንተኾነ ሰራዊትና ንዝተመንዘዐ መሬታና ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኣለዎ፤ ስለ ዝኾነ ኸኣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊ ካብቲ ብኢትዮጵውያን ሓረስቶት ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬትና ሒዝናዮ ኣለና" ክብል እቲ ሚኒስተር ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ዶብ፡ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልየት ከም ዘለዎ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲን ተዛሪቡ፡፡
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብክልል ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ዶብ ጥሒሶም ብምእታዉ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምኽሳስ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ክኹንኖ ጸዊዑ።
ጻዕርታት ካልኦት ሃገራት
እቲ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዘተሓሳሰባ ምስ ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያ ንዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብን ዘተን ክፈትሓ ጸዊዓ።
ኣብቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ወጥሪ ዘጋድድ ነገራት ካብ ምግባር ክቑጠቡን፡ ንህዝብን ናይቲ ዞባ ሰላምን ዕቤትን ብዝድግፍ መልክዑ መፍትሒ ከናድያ ተማሕጺና።
ብዘይካ'ዚ፡ እታ ጎረቤት ክልቲአን ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበስልጣናታ ናብ ሱዳን ብምኻድ ምስ መራሕቲ ሱዳን ተራኺቦም።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ናብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሕሉ'ዋን ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከም ዝዘተዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ህሉው ኩነታት
ኣመሓዳሪ ሰሜን ጎንደርን ነበርቲ እቲ ከባብን ከም ዝበልዎ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ሒዝዎ ዝብሃል ዘሎ ቦታታት ዝኣተወ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ድሕሪ ምንቅስቓሱ'ዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብቲ ከባቢ ሕርሻ ዝነበሮም ኣቶ ከሰተ ውበቱ ሰራዊት ሱዳን ንሕርሽኡ ምስ ተቖጻጸሮ ከም ዝሃደመ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ብዘይካ ሓሓሊፉ ዝስማዕ ድምጺ ከበድቲ ብረታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ግጭት ከም ዘይተዓዘቡ ነበርቲ'ቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ከም ዝራኣዩ'ውን እቶም ነበርቲ ጠቒሶም።
ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብቲ ቦታ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ሰራዊት የለን። ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ስለ ዝንቀሳቐስ ነዚ ዝራኣዩ ሰባት ግን ተወሳኺ ሓይሊ ይንቀሳቐስ ኣሎ ኢሎም ሓሲቦም ይኾኑ" ኢሉ።
እቲ ኣዛዚ ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝስማዕ ተዅሲ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ድማ፡ ወተሃደራት ሱዳን ነቶም ሓረስቶት ንምፍርራሕ ናብ ጎቦታት ዝትኩስዎ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።
ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዝተጎድኡ ሰባት ከም ዘለዉ ምስምዑ'ውን ጠቒሱ።
"ትዕግስቲ ደረት ኣለዎ"
እቲ ዶባዊ ምስሕሓብን ወጥርን ብሰላማዊን ዲፕሎማስያዊን መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ክትብል ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሱዳን ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ከም ዘተሓሳሰባ ገሊጻ'ላ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዶባት ዘሎ ምንቅስቓስ ሰራዊት ሱዳን እናሓየለ ይመጽእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ከም ዕድል ብምጥቃም ሰራዊት ሱዳን "ናብቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከብ ተወሳኺ ቦታታት ንምእታው ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ።
ብዛዕባ'ዚ ብወገን ሱዳን ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
ነቲ ጉዳይ ብትዕግስቲ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ምፍታን "ፍርሒ ወይ ምውልዋል ኣይኮነን" ዝበለ እቲ ኣፈኛ፡ ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ከይካረር ትጽዕር እንተላ "ትዕግስቲ ገደብ ኣለዎ" ኢሉ።
ትማሊ፡ ናብ ዞባ ጋዳሪፍ ሱዳን መገሻ ዝገበረ ፕረዚደንት 'መሰጋጋሪ ቤት ምኽሪ ልኣላዊነት' ከምኡ'ውን ዋና ኣዛዚ ኮማንደር ሰራዊት ሱዳን ዝኾነ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ሓይልታት ሱዳን 'ግዝኣትን ድሕነትን ሱዳን ንምኽባር ዘኽእል ሙሉእ ዓቕሚ' ከም ዘለዎም ተዛሪቡ።
በቲ ጀነራል ዝተመርሐ'ዚ ልኡኽ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ኢታማጆር ሹም እታ ሃገር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ከም ዝዘተየ፡ ሱና ዝተብሃለ መንግስታዊ ሚድያ'ታ ሃገር ጸብጺቡ።
ኣብቲ መገሽኡ፡ ምስዚ ዶባዊ ወጥሪ ተዛሚዱ ሓይልታት ሱዳን ዝኸፍሉዎ ዘለዉ መስዋእትነት ብምንኣድ፡ ብዕጡቓት ኢትዮጵያውያን 'ተቐንጺሎም' ዝበሎም ሱዳናውያን ነበርቲ ድማ 'ከም ሰማእታት ሰራዊት ክንቖጽሮም ኢና' ክብል ተዛሪቡ።
ኩርናዕ ኣልፋሽቃ
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽቃ ብዝብል ይፍለጥ።
ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ስግሪ ዘሎ ልሙዕ መሬት ይምነዩ።
ኩርናዕ ኣልፋሽቃ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ።
ኣልፋሽቃ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዝሽፍን እዩ።
ሰበ ስልጣን ሱዳን፡ ኣልፋሽቃ ናይ ሱዳን ግዝኣት ምዃኑ ይዛረቡ።
ሕጂ ስለምንታይ ብኢትዮጵያውያን ተታሒዙ ንዝብል ክምልሱ እንከለው፡ "መንግስቲ ሱዳን ምስታ ሃገር ብዝነበራ ናይ ምትሕብባርን ምርድዳእን ስምምዓት፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ነቲ ስፍራ የልምዕዎ ጸኒሖም" ይብሉ።
ክልቲኦም መንግስታት ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ተገይሮም ነይሮም።
ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራትን፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክሕብሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
እንተኾነ ግና ነቲ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።
ድሕረ ባይታ ናይዚ ዶባዊ ምስሕሓብ
ኢትዮጵያን ሱዳንን 750 ኪሎሜትር ሓባራዊ ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ግን እዚ ዶብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ኣብ ባይታ ኣይተጠረረን።
ነዚ ንምፍጻም ዝተገብረ ተደጋጋሚ ዘተ ተጀሚሩ ኣብ መዕለቢ ከይበጽሐ ተቋሪጹ እዩ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዝርከባሉ ከባቢ ታሪኻዊ ኩነታት ምስ ሩባታት/ኣፍላጋት 'ብሉ' ናይልን ኣትባራን ዝተኣሳሰረ እዩ።
እዞም ሩባታት ክልቲኡ ህዝቢ ብንግድን ብኻልእን ክራኸቡ ንዘመናት ምኽንያት ኮይኖም ዝጸንሑ እዮም።
እንተኾነ ግና ንግዲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተኸታታሊ ጎንጽታት መበገሲ እዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ዶብ ንዝለዓል ጎንጺ።
ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሓንጸጽዎ ዶባት፡ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ኤርትራን ካልኦት ናይ ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሃገራት ሕጂ ሒዘንኦ ዝርከባ ቅርጽን መልክዕን ኣትሒዙወን እዩ።
ዶክተር ወንድወሰን ተሾመ ዝተብሃለ ተመራማሪ፡ "ባዕዳዊ ዶባት ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ጉዳይ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን" ኣብ ዝተሰምየ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተጽሓፈ መጽናዕቱ ከም ዝገለጾ፤ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዶብ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ብ1902ን 1907ን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዝተገብሩ ናይ ካርታ ምልከታ ስምምዓት መሰረት ዝገበሩ እዮም።
ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ መሬት ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተከለሉ ዶባት ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰብ፡ ወዲ ኣየርላንድ ዝኾነ ዳህሳሲ ቻርለስ ግዊይን እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ኣብ 1908 ዝተሓንጸጸ ኮይኑ ግዝኣታት ገዳርፍን ብሉ ናይልን ሱዳን ምስ ክልል ኣምሓራ ይዳወቡ።
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2001 ክልተ ጊዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ እውን ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመት ማለት 2002 ናብ ካርቱም ምብጻሕ ኣካይዱ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ርክብ ጽቡቕ ከም ዝነበረ ዘርእይ እዩ፤ እዚ ርክብ ሎሚ'ውን መልክዑ ኣይቀየረን።
ኣብ 2012 'ውን (ኣ.ኢ) ጠቕላሊ ሓላፊ ኢታማዦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ኣደም መሓመድ ኣብ ሱዳን ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ሱዳን ዑመር በሽር ማኒስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ነይሩ።
ብወገን ኢትዮጵያ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ጉጅለ ንዘተ ቀሪቡ ነይሩ።
እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ስሉሳዊ ዘተ ድማ ብዘይስምምዕ ሱዳን ይብተን ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።