ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ትማሊ 4 ጥሪ 2013 ዓም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ወረዳ ደባተ ከተማ ዳለቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵይ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኣማኻርን ወሃቢ ቃልን እቲ ኮምሽን ኣቶ ኣሮን ማሾ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ 2 ክሳብ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት ልዕሊ 80 ሰባት ተቐቲሎም።

ብተመሳሳሊ ነበርቲ ክልል ቤኒሻንጉል ዞባ መተከል ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ንብረት ዓንዩን ገዛውቲ ተቓጺሎምን።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ማንዱራ ግን "እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ'ሎ ዝብል ዘረባ ሓቅነት የብሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ናይ ፖለቲካ ጸዋታ ኣይኮነን ዘድልይ እቲ ሓቂ ክዝረብ ኣለዎ" ዝበለ እቲ ነባሪ፤ ሕዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ህይወት ሰባት ይጠፍእ ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ብቕድሚ ትማሊ [ሰኑይ] ሓንቲ ካብ ወረዳታት ዞባ መተክል ኣብ ዝኾነት ዳንጉር [ቅድም ክብል ሰብ ሞያ ጥዕና ዝተዓፈኑሉ ከባቢ] ምሸት ሰብ ተቐቲሉ። ካብ ቻግኒ ናብ ግልገል በለስ ትኸይድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ሰለስተ ቖሲሎም" ክብል ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ ብሰሉስ ናብ ግልገል በለስ ትኸይድ ዝነበረት መኪና 'ኤዲዳ' ወይ 'ቁጥር ሁለት' ኣብ ዝበሃል ከባቢ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸማ ዝሞተ ሰብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ፤ ክልተ ዝቖሰሉ ኣብ ሕክምና ይርከቡ። ኣብ ወረዳ ድባጤ ቀበሌ ዳለቲ'ውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ። ገዛውቲ ይቃጸሉ ኣለዉ። ንሓገዝ ዝበጽሐልና ኣካል የለን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ወረዳ ጉባ ብሰኑይ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት 15 ከምዝበጽሑ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ሰብመዚ እቲ ከባቢ ግን ነዚ ከረጋግጹ ኮነ "ጌጋ'ዩ" ክብሉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

"ቅድም ክብል ንመንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍጸም ነይሩ። ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ግን 'ቀይሕ' ዝበሃል ሺናሻ ይኹን ኦሮሞ፤ ኣገው ይኹን ኣምሓራ ወይ ተወላዲ ትግራይ እናተፈለየ እዩ ግዳይ መጥቃዕቲ ዝኸውን ዘሎ" ይብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝፍጸም ቅትለትን ዕንወት ንብረትን ኣብ ዝርእዩሉ ዘለዉ እዋን 'እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ'ሎ' ብዝብል ዝግለጸሉ መገዲ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣብ ስግኣት ዝርከብ ነባሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብምዃን ንግዳያት ዘሳተፈ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክምስረት እንተዘይተገይሩን ኣብ ልዕሊ ነቲ መጥቃእቲ ዝፍጽሙ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱን እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል'ዩ" ክብል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ወረዳ ጉባ ቀበሌ 'ኣይሚሽሚሽ' መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምሕባር፤ በቲ መጥቃዕቲ ኣዲኡ ሓዚላቶ ዝነበረት ህጻን ዝርከቦም 11 ሰባት ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሰኑይ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 12፡30 [ኣ.ኢ] እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣነ ኣብ ኣልመሃል እየ ዘለኹ፤ ሽዑ ተደዊሉኒ። ንኣባላት ምክልኻል ሃገር ሓበሬታ ምስሃብናዮም ድማ ኣስከሬን ግዳያት ክለዓል ተገይሩ። ምሸት ኣብ ኣልመሃል ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ተቐቢሮም" ኢሉ።

ገዛውትን ዝተፈላለየ ንብረትን ከምዝተቓጸለን ከምዝተዘመተን እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ንኣካላት ሕጊ እንተፍለጡ'ኳ ዳግም ካብ ማእሰርቲ እናተፈትሑ ነቲ መጥቃዕቲ ይመርሑ ከምዘለዉ ይዛረብ።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ነበርቲ ግዳያት ከምዝኾኑ ይግለጽ። ብ13 ታሕሳስ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጥራይ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ መተከል ዝፍጸሙ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ደው ንምባል ከኣ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንስራሕቲ ጸጥታን ምኽባር ሕግን እቲ ክልል ተረኪቡ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ባይቶ እቲ ክልል ምስቲ ብ13 ታሕሳስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ 'ተሳትፎ ኣለዎም' ብዝብል ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኣባላት ቤትምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ከምዝቐንጠጠ ይዝከር።