ኣርባዕተ ኣባላት ቤትምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ዝነበሮም ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ተቐንጢጡ

ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ዝነበሮም: ካብ ክሲ ዘድሕን ሕጋዊ ውሕስነት ከም ዝተጠቐንጠጠ ተፈሊጡ።

እቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ናይ ኣቶ ኣድጎ ኣምሳያ፡ ኣቶ ሽፈራው ጨሊቦ፡ ኣቶ ግርማ መኒን ኣቶ ኣረጋ ባልቢድን ዝተባህሉ ሰብመዚ ዝነበሮም ሕጋዊ ጉልባብ ክቕንጠጥ ወሲኑ'ሎ።

ኣርባዕቲኦም፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ልዕሊ 200 ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ'ዮም።

ኣቶ ኣድጎ ኣምሳያ፡ ኣቐዲሙ ኣቦመንበር ገዛኢ ሰልፊ ናይቲ ክልል ብምዃን፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኮይኑ ነቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ'ዩ። ኣቶ ሽፈራው ብወገኑ፡ ዳይረክተር ትካል ቴክኖሎጂን ሳይንስን እቲ ክልል ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።

እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ፡ ሰበስልጣን ናይቲ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ዞባ መተከል ምዃኖም ተፈሊጡ።

ይኹን እምበር፡ እዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ሰብመዚ ብዛዕባ ዝቐረበሎም ክሲ ይኹን፡ ምቕንጣጥ ሕጋዊ ሓለዋኦም ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።

ናይቲ ክልል ኣፈጉባኤ ኣቶ ታደለ ተረፈ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ዘሕዝንን ክድገም ዘይብሉን ክብል ገሊጽዎ።

ኣቐዲሙ'ውን፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ፌደራላዊን ክልላውን መንግስታት ሓላፍነት ዝነበሮም ሰበስልጣን፡ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ክፍጸም ዝጸንሐ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።

ካብዚኣቶም፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሚኒስተር ዲኤታ ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳያት ዝነበረ ኣቶ ቶማስ ኩዊ ኣንዱ ይርከቦም።

ብ23 ታሕሳስ፡ ኣብ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ቡለን፡ በኩጂ ዝተባህለ ዓዲ፡ ኣብ ወጋሕታ ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ 207 ምዃኑን ስነስርዓት ቀብሮም'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ከም ዝተፈጸመ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ርክብ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ ቱሪዝምን ስፖርትን እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ብዓልስልጣን፡ በቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ናይ ሰለስተ እምነት ተኸተልቲ እኳ እንተነበሩ፡ ምፍልላዮም ኣጸጋሚ ብምዃኑ ብጅምላ ክቕበሩ ከም እተወሰነ ኣረዲኡ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትየጵያ (ኢሰመኮ) ከምኡ'ውን ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞን መተከል፡ ናብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓበሮም ነይሮም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ኣቶ መለሰ በየነ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ በቲ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ብዙሕ" ሰብ ከም ዝተጎድአ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።