ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኢትዮጵያ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ 207 ምብጽሑ ተገሊጹ

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞን መተከል ወረዳ ቡለን ቀበሌ በኩጂ ታሕሳስ 13/2013 ዓ.ም (ኣ.ኢ) ወጋሕታ ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ 207 ምዃኑን ስነስርዓት ቀብሮም'ውን ትማሊ ሓሙስ ከም ዝተፈጸመ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ርክብ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ ቱሪዝምን ስፖርትን እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ከሳሁን ኣዲሱ በቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ናይ ሰለስተ እምነት ተኸተልቲ እኳ እንተነበሩ፡ ምፍልላዮም ኣጸጋሚ ብምዃኑ ብጅምላ ክቕበሩ ከም እተወሰነ ኣረዲኡ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትየጵያ (ኢሰመኮ) ከምኡ'ውን ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞን መተከል፡ ናብ ረቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓበሮም ነይሮም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ኣቶ መለሰ በየነ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ በቲ መጥቃዕቲ "ኣዝዩ ብዙሕ" ሰብ ከም ዝተጎድአ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ'ውን እቲ መጥቃዕቲ "ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ምጭፍጫፍ" ምዃኑ ብምሕባር፡ ሓዘኑ ገሊጹ።

ኢሰመኮ ታሕሳስ 14/2013 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ቀበሌ በኩጄ ዝነብሩ ተወለድቲ ሽናሻ፡ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝኾኑ ሕብረተሰባት በቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ከም ዝተገብሩ ኣፍሊጡ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዘሎ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ እናተዳኸመ ምምጽኡ ዘርእይ ምዃኑ'ውን እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ክልል ንዝነብሩ ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ሽናሻን ዘነጻጸረ ምንባሩ ብምጥቃስ "መንግስቲ ብሄር ተኮር ዝኾኑ ቅትለት ደው ንምባል ብቕልጡፍ ክንቀሳቐስ ከም ዝግባእ ዘርእይ እዩ" ኢሉ።

ኣቶ ካሳሁን ኣዲሱ'ውን ከም ዝገለጾ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምጽራይ ዝተዋፈረ ናይ ምክልኻል፡ ናይ ክልልን ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ጉጅለ ምስ ሓለፍቲ ወረዳን ዞንን ብምዃን ብዝገበሮ ምጽራይ እቶም ዝተቐትሉ 207 ሰባት ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሽናሻን ኣገውን ምዃኖም ኣረጋጊጹ እዩ።

እቶም ሰባት ብበሊሕ ነገራት፡ ብጥይትን ብማንቲክ ከም ዝተቐትሉ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዓጽዮም ብሓዊ ዝተቓጸሉ'ውን ምህላዎም ሓቢሩ።

ብዘይካ እዚኦም ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ከም ዘለውን ኣስከሬናቶም ኣብ ጫካታት ይድለይ ምህላውን ገሊጹ።

ኣብ ቀበሌ በኩጂ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ስግኣት ዝሓደሮም ዜጋታት ካብ ዝተፈላለዩ ቀበሌታት እቲ ወረዳ ናብ ከተማ ቡለን ይመጽኡ ምህላዎም ኣቶ ካሳሁን ገሊጹ።