ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ፡ ምስ ወታሃደራውን ስቪላውን መራሕቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ተዛትዩ

ትማሊ ቀዳም ናብ ካርቱም ዝበጽሐ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ምስ ወታሃደራውን ስቪላውን መራሕቲ ሱዳን በብወገኖም ተዛትዩ።

ሲሲ ምስ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ከምኡ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብቀንዱ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝዘተየ ኮይኑ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶባት ሱዳን ኢትዮጵያን’ውን ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ’ሎ።

ድሕሪ እዚ ዘተታት፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ’ቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ዘተታት ዓለምለኻዊ ኣሸማገልቲ ክሳተፍዎ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ።

ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ

ኣብ’ቲ ቀጸልቲ ዘተታት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን ክሳተፍዎ ጸዊዐን።

ቅድም ክብል፡ ኣብ’ቲ ዘተ ዓለምለኻዊ ትካላት ክሳተፈኦ ንዝቐረበ ጻውዒት ኢትዮጵያ ኣይተቐበለቶን።

ቅድሚ መዓልታት፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ እቲ ዘተ ብኣሸማጋልነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት እናተኻየደ እንከሎ ካልኦት ኣሸማገልቲ ይእተዉ ማለት፡ “ን ግደ ናይ’ቲ ትካል ምንእኣስ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣል ሲሲ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር ንፈለማ እዋን እዩ ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ’ቲ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ፡ ፈላማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣካይዳ እያ።

ኣብ’ዚ ዓመት ድማ ንኻልኣይ እዋን ክትመልእ መደብ ኣለዋ።

ግብጽን ሱዳንን ግን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ብኢደወነና ማይ ክትመልእ ኣይግበኣን ይብላ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ልዕሊ 85 ሚኢታዊት መጠን ማይ እተበርክተሉ ሩባ ዘለዋ ናይ ተረባሕነት መሰል፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይተቕርቦ እያ ትገልጽ።

ግብጽን ሱዳንን እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብ፡ ነቲ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽበኦ መጠን ማይ ከይንክየለን ስግኣት ኣለወን፤ እቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተታት ድማ መዕለቢ ኣይረኸበን።

ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲ ምስ ወተሃደራውን ስቪላውን ምምሕዳር ሱዳን ካብ ዝተዛተየሎም ፍረ ነገራት ሓደ፡ ጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዝኾነ፡ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ንሃገራዊ ሚድያ ሱዳን ብምጥቃስ ጸብጺቡ’ሎ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ዶባዊ ምስሕሓብ ካብ ዝኣትዋ ኣዋርሕ ኣቑጺረን ኣለዋ።

ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ጸብጻቡ ከምዝበሎ፡ ድሕሪ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ኣብ ጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ግብጺ ንሱዳን ዘለዋ ደገፍ ኣአንፊታ’ላ።

ውሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት “ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውባ ምብራቓዊ ግዝኣታት ልኡላውነታ ንምኽባር ዝኸደቶ መስርሕ፡ ንናይ ሱዳን ዓለምለኻዊ ስምምዓት ዶብ ዘይጥሓሰ እዩ” ምባሉ ኤኤፍፒ ጠቒሱ’ሎ።

ሱዳን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ወተሃደራታ ብምውፋር፡ ሓረስቶት ኢትዮጵያ ክሓርስዎ ንዝጸንሑን “ኣካል ግዝኣተይ እዩ” ንዝበለቶምን ከባብታት ከምዝተቖጻጸረት ይግለጽ።

ኢትዮጵያ ድማ፡ ሱዳን ከምዝወረረታ ብምግላጽ ወተሃደራት ሱዳን ካብ’ቲ ከባብታት ክወጽኡ ጸዊዓ እያ።

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ሱዳንን ግብጽን ክገብርዎ ዝጸንሑ ልዝብ ወዲኦም፡ ንሓበራዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ይዝከር።

ቅድም ክብል’ውን ግብጽን ሱዳንን ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምዳት ክገብራ ጸኒሐን እየን።