ኢትዮጵያ- ትግራይ ቅልውላው፡ 'ንሕና መንግስቲ ኢና፤ እንታይ እናገበርካ ከምእትውዕል ንፈልጥ ኢና'

ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ብወተሃደራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ተሓጋገዝትን፡ ሓደ ዝኾነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ፡ ተጓንፎኡ በኸምዚ ይገልጾ።

ኣብ መዓልቲ ልደተይ ኣጋ ምሸት እየ ተኣሲረ።

ሰኑይ፡ እቶም ዕጡቓት ወተሃደራት፡ ነቲ ከም'ቲ ኩሉ ግዜ ምስ ኣእርኽተይ ሻሂ ቡን እንብለሉ ዝነበረና ካፌ ምስ ከበብዎ፡ ዝኾነ ካልእ ሰብ ዝእልሹ ዘለዉ እዩ መሲሉኒ ነይሩ።

ካብኡ ሓደ ሓላፊ ናብቲ ካፌ ኣትዩ፡ 'ተረጋግዑ' ምስ በለና ወግዕና ቀጺልና።

እንተኾነ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሲቪል ዝተኸደኑ ክልተ ኣባላት ስለላ መጺኦምና።

ሓደ ካብ መንጎኦም፡ ህውኽ ኢሉ "ንስኻ መን ኢኻ?" ኢሉ ዓው ኢሉ ሓቲቱኒ።

"ስምካ ተዛረብ!"።

"ግርማይ ገብሩ እበሃል" ኢለዮ።

'ገጸይ ጸፊዑኒ'

"እወ! ናዕኻ ኢና ንደሊ ዘለና" ኢሉ፡ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ርእሰይ [ኣዕርኽተይ] ናብ ደገ ኣውጺኦምና።

ኣብ ቅድሚ እዚ ኹሉ ሰብ ድማ፡ ምፍለዪ መንነተይን ናይ ቢቢሲ ታሴራን ኣውጺአ ምስ ሃብክዎም፡ ሓዲ ካብኣቶም ገጸይ ጸፊዑኒ።

ሓደ ወተሃደር ጣልቃ ኣትዩ ምስ ኣናገፈኒ፡ ኢድና ኣሲሮም ናብ ተሽከርካሪት ኣእትዮምና።

ነገራት ብታህዋኽ ይኾኑ ስለዝነበሩ፡ 'ሰለምንታይ ንውሰድ ከምዘለና' ንክንሓት'ውን ግዜ ኣይረኸብናን።

ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘጓነፈ ጎንጺ

  • እቲ ውግእ ብ4 ሕዳር 2020 እዩ ተጀሚሩ።
  • ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ወተሃደራዊ መዓስክር ምስተቖጻጸሩ፡ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ገዛኢ ውድብ'ቲ ክልል ዝነበረ ህወሓት ካብ ስልጣን ንምእላይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣዊጁ።
  • ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፡ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ተመዛቢሎም ይርከቡ።
  • ኢንተርኔትን ስልክን ተዓጽዮም ኣለዉ፤ ጋዜጠኛታት ድማ ካብቲ ከባቢ ክጽብጽቡ ኣይክእሉን ነይሮም።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 'እቲ ኲናት ኣብቂዑ' እንተበለ'ኳ፡ ውግእ ግን ይቕጽል ኣሎ።
  • ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝምልከት ዓብዪ ሻቕሎት ኣሎ።

ዋላ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስክር ምስ በጻሕና'ውን ዝኾነ መብርሂ ኣይተውሃበናን።

ካብቶም ሰለልቲ ሓደ ግን ከምዚ ኢሉኒ፡ "ግርማይ፡ ንሕና መንግስቲ ኢና፡ በብመዓልቱ እንታይ ትሰርሕ ከምዘለኻ፤ ብዛዕባ እንታይ ትዛረብ፤ እንታይ መልእኽቲ ትጸሓሓፍ ከምዘለኻ ንፈልጥ ኢና። እትበልዖ ቁርሲ፣ ምሳሕን ድራርን ከይተረፈ ንፍልጥ ኢና" ኢሉኒ።

"እሞ እንታይ ከምዝገበርኩ ንገረኒ። እንታይ ዝብል መልእኽቲ ተጻሓሒፈ'ውን ንገረኒ" ኢለዮ።

እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ንነዘ፡ ንድሕነተይ ክበሃል ንቢቢሲ ዛንታ ጽሒፈ ኣይፈልጥን።

"ንስኻ ኢኻ ትነግረኒ እንታይ ትገብርን ትሓስብን ከምዝነበርካ። ደሓረ ክትዛረብ ኢኻ" ኢሉኒ።

"ሓንቲ ግዜ ክንድውል ተፈቒዱና'

መጠንቀቕታ እዩ ተዋሂቡና።

ቴሌፎናትና ተሓዲግና ኢና ነይርና፡ ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ግን ሓንቲ ስልኪ ጥራይ ክንድውል ፈቒዱልና።

በዓልቲ ገዛይ ምስ ነገርክዋ ሰንቢዳ ፤ እንተኾነ ዳሕና ምዃነይን ከይትሻቐልን ነጊረያ።

ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስክር ኣተሓሕዛና ዳሕና እዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ መሬት ኢና ሃሪስና፤ ካብኡ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ምድሪ፡ ፕላስቲክ ጥርሙዝ ክንጥቀም ተዋሂቡና።

በቲ ዝኸውን ዘሎ፡ ኩላትና ሰንቢድናን ደንጽዩናን ስለዝነበረ፡ ቀጺሉ እንታይ ከምዝግበር የሻቕለና ነይሩ።

ኣነ፡ ፈጺመ ትኽስ ኣይበልኩን ሓዲረ።

ንጎሆ፡ እቲ ናይ ስለላ ሰራሕተኛ ናብ ገዛይ ከይዶም ላፕቶፑ ከምዝወስዱን ኣብኡን ኣብ ቴሌፎነይን ዘሎ ዳታ ብሙሉኡ ከምዝጉርጉርዎን ነጊሩኒ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ናብ ገዛ ከይዶም ከምዘይፈተሹ ደሓረ ፈሊጠ።

'ናይ ረሳሕ ማይ ጨና'

እቲ ዝደልይዎ ሓበሬታ ኩሉ ኣብ ርእሰይ ከምዘሎ ብምሕሳብ፤ ክነግሮም ከምዝኾንኩ ነጊሮምኒ።

እንተኾነ ዛጊድ፤ ስለምንታይ ከምዝኣሰሩና ኣይነገሩናን።

ዝኾነ ዝፈጸምክዎ ጌጋ ከምዘይብለይ ግን ስለዝፈልጥ፡ ዘስገአኒ ነገር ኣይነበረን።

"ኣነ ጋዜጠኛ እየ። ነጻ ሰብ እየ ድማ። ዝደለኽምዎ ክትሓቱኒ ትኽእሉ ኢኩም" ኢለዮም።

እንተኾነ፡ ከምቲ ዝበልዎ ኣይሓተቱንን።

እኳ ደኣስ፤ ሰሉስ ኣብ ማእከል መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ፌዴራል ፖሊስ ብመኪና ወሲዶምና።

ኣብኡ ግን ኩነታት ዝከፍአ ነይሩ።

ናብ ሓንቲ 2.5 ብ3 ሜትሮ እትኸውን ዓራት ዘይብላ ጸባብ ክፍሊ ኣእትዮም፡ ምስ ካልኦት 13 ድማ ዳጒኖምና።

ሓያል ሙቐት ነይሩ፤ ካብ ቀረባ ዝመጽእ ጨና ረሳሕ ማይ [ዝጻረ] ድማ ነይሩ።

'ማስኬራ ንካልኦት ዓዲለዮም'

ኣብዚ ድማ ለይቲ ዓይኒ ምድሪ ምጥቃም እንተደሊና፤ ኣብ ክንድኡ ጥርሙስ ተዋሂቡና።

ርግጽ ኣነ ተጨኒቐ እየ ነይረ፤ ካብ ሓንቲ ኣራንሺ ወጻኢ ዝበላዕኽዎ ነገር ስለዘይነበረ ዘድልኒ'ውን ኣይመሰለኒን።

ሓደ ሰብ ብየማነይ ኮይኑ ይስዕል ስለዝነበረ፡ ኮሮናቫይረስ ከይሕዘኒ ኣዝየ ሰጊአ ነይረ።

ጽቡቕነቱ፡ ኣዕርኽተይ ኣበይ ከምዘለኹ ሰሚዖም፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ሳኒታይዘር ኣምጺኦምለይ።

ኣብ ውሽጢ'ቲ ክፍሊ ንዝነበሩ ነቶም ካልኦት ድማ ኣካፊለዮም።

ንጎሆ ረቡዕ፡ ሓደ ፖሊስ መጺኡ ኣቑሑተይ ክእክብን ክወጽእን ነጊሩኒ።

ቢቢሲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ሓቲቱ ከምዘሎ'ኳ እንተሰማዕኩ፡ ዛጊድ ግን ዝተኣሰርኩሉ ምክንያት ኣይተነገረንን።

በዓልቲ ገዛይ፡ ኣደይን ደቀይን ኣብ ገዛ ጸኒሖምኒ፡ ምስ ረእዩኒ ብሕሱም ተሓጓስ ይነብዑ ነይሮም።

እቲ ኣዝዩ ኣጨኒቑኒ ዝነበረ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ከይሓምም እዩ። ሕዚ ደሓን እየ።

ንእሽቶ ዕረፍቲ ክወስድ እ ዝደሊ።