እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጽን ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ንዘለወን ጸገም ዲ/ሪ/ኮንጎ ሞንጎኛ ክትከውን ደጊፈን
ግብጽን ሱዳንን ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋን ጸገማት ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ነቲ መስርሕ ዘተ ክትመርሖ ደጊፈን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምህ ሻኩርን መዘንኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሚርያም ኣል ሳዳቅ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመወለን ኣመሪካ፡ ሕብrት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝሳተፍዎ ዘተ ዘለዎም ደገፍን ቅሩብነትን ገሊጾም።
እቶም ሚኒስተራት ኣብ መግለጺኦም፡ ኢትዮጵያ እትገብሮ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዲጋ፡ ኣብ ጉዳይ ማይ ንሃገራቶም ቀጥታዊ ስግኣት ምዃኑ ገሊጾም።
ምስ ሚኒሰትር ሚርያም ኣል ሳዳቅ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ጉዳይ እቲ ዲጋ ናይ ኢትዮጵያ ንኽልቲኤን ሃገራት [ሱዳንን ግብጽን] ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ትሺሰከዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጽ እዩ፡ ግብጽን ሱዳንን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ዘተ ክመርሖ ዘለወን ደገፍ ዝገልጻ ዘለዋ።
እቲ ንምህናጽን ንምምላእን እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን ሱዳን፡ ግብጽን ኢትጵያን ንዓመታት ከካይድኦ ዝጸንሓ ዘተታት ብዘይ ፍረ እዩ ተሪፉ፡ ዋላ እቲ ብሞንጎኝነት ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ዘተ’ውን ፍረ ክርከቦ ኣይከኣለን።
ኢትዮጵያ ነቲ 4.8 ቢልዮን ዶላር ባጀት ዝተሰለዖ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምምንጫው ኤለትሪካዊ ጸዓትን ቑጠባዊ ዕብየት እታ ሃገርን ከም እምነ ኩርናዕ እያ ትሓስቦ።
ግብጽን ሱዳንን ብወገነን፡ እቲ ነቲ ዲጋ ሓሊፉ ናብአን ዝመጽእ ማይ ክጎድል እዩ ብምባል ብዓይኒ ስግኣት እየን ዝርእየኦ።