እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምልከታ: ስለምንታይ ኢትዮጵያንን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ኣል-ፋሻጋ ዘይተዓረቓ?
ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተወሊዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝነበረ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ ንሕንሕ ዘባለሐ እዩ ይብል፡ ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ዲ ዋል ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ጽሑፉ።
ርግጽ፡ እቲ ንሕንሕ ከምዚ ናይ ሕዚ ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣምሪሑ ኣይፈልጥን።
እቲ ቐንዲ መበገሲ ኮይኑ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን እትዋሰነሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ኣል-ፋሻጋ ዝበሃል ዘካትዕ ሃብታም ናይ ሕርሻ መሬት እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዶብ ዝፍለጥ እንተኾነ'ኳ፡ ተጓዓዝቲ ከምዝብልዎ፤ ሜዳ ሜድኡ ናይ ሱዳን እንትኸውን፡ ናብ ጎቦታት እንትጽጋዕ ግዝኣት ናይ ኢትዮጵያ ይጅምር፤ እንተኾነ፡ ዛጊድ ኣብ ባይታ ኣይተጠረረን።
ውዕላት ዘበነ-ባዕዳዊ መግዛእቲ
ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዶባት ኩሉ ግዜ ኣካታዕቲ እዮም። ኢትዮጵያ ኣብ 1977፡ በግዝኣት ኦጋዴን ምኽንያት ምስ ሶማልያ ተዋጊኣ።
ኣብ 1998 ድማ፡ ብምኽንያት መሬት ባድመ ምስ ኤርትራ ተዋጊኣ።
ብሰንኩ ድማ፡ ኣስታት 80 ሽሕ ሰብ ሃሊቑ፤ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብዝሓ እቲ ዘጓንጽ መሬት ንኤርትራ'ኳ እንተፈረደ፡ ኢትዮጵያ ክተረክብ ፍቓደና ስለዘይኮነት፡ ንመሪር ጽልኢ ምፍጣር ጠንቂ ኮይና ጸኒሓ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ 2020፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ድማ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ነቲ ግዝኣት መሊሶም ሒዞምዎ ኣለዉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 1998 ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን እቲ 744 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዝሽፍን ዶበን ብልክዕ ንምክላል፡ ዝሕቱል ዝኾነ ዘተ ዶብ ጀሚረን ነይረን።
እቲ ንምፍትሑ ከቢድ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ እዚ ኣል ፋሻጋ ዝበሃል ግዝኣት እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዝኣቲ ማለት'ውን ኣብ 1902ን 1907ን ዝተፈረመ ውዕል፡ እቲ ዓለምለኸ ዶብ፡ ናብ ምብራቕ ገጹ ጥሒሱ እዩ ዝኣቱ።
እዚ ማለት፡ እቲ መሬት ናይ ሱዳን'ኳ እንተኾነ፡ ኢትዮጵያውያን ንነዊሕ እዋን ነቢሮምሉን ኣልሚዖሞን እዮም። ግብሪ ድማ፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸፍሉ ጸኒሖም።
'ውሽጣ-ውሽጢ ዝተገብረስምምዕ'
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ዝርርብ፡ ኣብ 2008 ኣብ ሓደ መዕልቦ በጺሑ ነይሩ።
ኢትዮጵያ፡ ሕጋዊ ዋንነት እቲ መሬት ናይ ሱዳን ምዃኑ ኣፍልጦ እንትትህብ፡ ሱዳን ድማ እቶም ኣብኡ ዘለዎ ኢትዮጵያውያን ብሰላም ክነብሩ ፈቒዳ ነይራ።
ልስልስ ዝበለ ኣተኣላልያ ጎንጺ ዶብ ክበሃል ይኽእል፤ እቲ ምክላል'ቲ መሬት፡ ህይወት ናይቶም ነበርቲ ከይጸሉ እዩ ተሓሲቡ ነይሩ።
ክሳብ ሕዚ ድማ፡ ተኻኣኢሎም ዝነብሩ ነይሮም። ኣብዚ እዋን ግን ኢትዮጵያ ልኣላዊነት እቲ ግዝኣት'ውን እያ ትሓትት ዘላ።
ነቲ ኣብ 2008 ዝተገብረ ስምምዕ፡ እቲ ጉጅለ ልኡኻን ኢትዮጵያ ብናይ ህወሓት ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝኾነ ኣባይ ጸሃየ ዝተመርሐ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ህወሓት ኣብ 2018 ካብ ስልጣን ምስተኣለየ፡ መራሕቲ ብሄረ ኣምሓራ፡ እቲ ስምምዕ ብውሽጣ-ውሽጢ ዝተኻየደን፡ ንዐዓኣቶም ዘየማኸረን ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
ሕዚ ኣብ ፋሻጋ ንዝተወለዐ ጎንጺ ጠንቂ ዝኾነ፡ ክልቲኡ ወገን ንሕድሕዱ ነናይ ባዕሉ ዝዛረበሉ ዛንታ ኣለዎ።
እቲ ቀጺሉ ዝኾነ ግን፡ ዘካትዕ ኣይኮነን፤ ሰራዊት ሱዳን ነቶም ኢትዮጵያውያን ደፊኦም፤ ነቶም ነበርቲ'ቲ ገጠር ድማ ኣውጺኦምዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን፡ ኣብደላ ሓምዶክ ንመዘንኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣልዒልሉ እዩ።
ክዘራረብሉ ተስማሚዖም፤ እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ተስፋ-ዘይብሎም ዝመዛበሉ ነበርቲ ካሕሳ ትደሊ እያ።
ሱዳን ድማ፡ እቲ ግዝኣት ናብ ሕጋዊ ቦትኡ ክምለስን መሬታ ክትረክብን እያ ትደሊ።
ልዝብ እናተኻየደ እንተሎ'ውን ፡ ንካልኣይ ግዜ ጎንጺ ተራእዩ ነይሩ። መንግስቲ ሱዳን፡ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ እዮም ዝኸሱ።
ኣብ ኣብዝሓ ናይ ዶባት ጸገም ከምዝርኣ፡ ክልቲኡ ወገናት ነዚኦም ናይ ዘመናት ውዕላት ነናይ ባዕሎም ዝሪአሉ መነጽርን ትንታነ ሕግን ኣለዎም።
እንተኾነ፡ እቲ ጸገም ናይ ክልተ ዛዕባታት ጠንቂ ምልክት እዩ ዝመስል፤ ክልቲኦም ድማ፡ ካብ ናይ ሚስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዝምንጭዉ እዮም።
ግዝኣት ናይ ምምላስ ሕቶ ካብ ትግራይ
እቶም ኣብ ፈሻጋ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ኣምሓራ እዮም፤ ኣብዪ ካብ'ቲ ዝዓበየ ብሄረ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ ድጋፍ እናነጸፎ ምስ ከደ ፖለቲካዊ ውግንንኡ ናብ ኣምሓራ እዩ ዝእንፍት ዘሎ።
በቲ ኣብቲ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብፌሬል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝረኸብዎ ዓወት ተደፋፊኦም፡ ካብ ትግራይ ግዝኣት ናይ ምምላስ ሕቶ እዮም ዝቅጽሉ ዘለዉ።
ህወሓት እንተሰሓሕብ፡ ሚሊሻ ኣምሓራ እናሰዓቡ፡ ክልልላዊ ባንዴራ ኣምሓራ እናተኸሉ፡ 'ናብ ኣምሓራ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም' ዝብል ዝብል ታፔላታት ይተኽሉ ኣለዉ።
እዚ ብክልል ኣምሓራ ክምለስ ዝድለ መሬት፡ ህወሓት ስልጣን ምስ ሓዘ ኣብ 1990ታት እዩ ናብ ትግራይ ተኻሊሉ።
ኣብ ፋሻጋ ዝተወለዐ ጎንጺ'ውን ተመሳሳሊ ባህሪ እዩ ዘለዎ፤ ምምላስ ግዝኣት ልኣላዊት።
እንተኾነ፡ እቲ ዳሕረዋይ ኣብ ጉዳይ ውሽጣዊ ዶብ ዘይኮነስ ምስ ጎረቤት ሃገር እዩ።
እቲ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ዘይምኽኣል፤ ብተዘዋወሪ ናይ ኣብዪ ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ውጸኢት እዩ።
ንዝሓለፉ 60 ዓመታት፡ ቀንዲ ስትራተጂ ኢትዮጵያ፡ ንግብጺ ምግታእ ምኽኣል እዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ኣብዪ ዳርጋ ናብ ናይ ምሕዝነት ብርኪ እዩ ኣብጺሕዎ ነይሩ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ናይ ሃለዋት ሕቶ ገይሮም እዮም ዝሪአኦ።
ግብጺ፡ ኣብ ላዕለዋይ ተፋፈሰስ ዝስርሑ ግድባት፡ ነቲ ብታሪኽ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተበጽሑ ስምምዓት መሰረት ዝገብረ ብጽሒት ማይ ከምዝጎድእ ገይራ እያ ትምልከቶ።
ኢትዯጵያ ድማ፡ ብማያዊ-ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው፡ ቁጠባዊ ልምዓት ንምምጻእ ከም ቁልፊ ምንጪ ገይራ እያ ትሪኦ።
እዚ ክትዕ፡ ብፍላይ ምስ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተኣሳሲሩ ዝለዓል እዩ።
ጉዳይ ሃይድሮ-ዲፕሎማሲ [ማያዊ ዲፕሎማሲ] ፡ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት መሰረት ኣንጺፉ እዩ ነይሩ።
እቲ ዓላማ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣባላል ተፋሰሰስ ሃገራት ስምምዕ ምፍጣርን ናይ ሓባር ቅዋም ንምሓዝን ዝኣመተ እዩ ነይሩ፤ ግብጺ ኣብዚ ተዓብሊላ እያ ነይራ።
ሱዳን'ውን ኣካል'ዚ ኣፍሪቃዊ ጉጅለ እያ ነይራ። ካብ'ቲ ግድብ ህዳሰ ተራባሒት ንምዃን'ውን ሃቂና ነይራ፤ ውሕጅ ንምቁጽጻር፣ መስኖ ንምሕያልን ትሑት ዋጋ ዘለዎ ሓይሊ ኤሌክሪሲቲ ንምርካብን።
ብኣንጻሩ ግብጺ፤ እቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈረመ ውዕል ምዕቃብን፤ ክልተኣዊ ስምምዓት ምፍጣርን እያ ትደሉ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019፡ ኣብ ጉባኤ ኣፍሪቃ-ሩስያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ሶጪ [ሩስያ] ኣቕኒዑ ነይሩ።
ብጎኒ ድማ፡ ንፕረዚደንት ግብጺ ኣብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲሰ ረኺብዎ።
ኣብ ፈላመይቲ ኣኼባኡ ድማ፤ ሓደ'ኳ በዓል ስልጣን ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣብ ዘይተረኸበሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ እትኽተሎ ስትራተጂ ጓዕጺጽዎ።
ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ፡ ሚኒስትሪ ትሬዠሪ ኣመሪካ ንከዛትዮም ካብ ፕዚደንት ኣልሲሲ ዝቀረበሉ እማመ ተቐቢሉ መጺኡ።
ኣመሪካ ድማ፡ ወግንናኣ ንግብጺ እዩ።
እቲ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ብምፍጣር ሽልማት ኖቤል ዝረኸበ መንእሰይ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ ምስ ግብጺ ድማ ተመሳሳሊ ዕርቂ ክፈጥር እየ ኢሉ ሃቂኑ እንተነይሩ ገግዩ።
ብኣንጻሩ ድማ ኮይኑ፤ እቲ ወዲ 44 መራሒ ንባዕሉ'ውን ተደሚሙ እዩ ዝኸውን።
ሳልሰይቲ ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ዝተጋበዘት እታ ብኣመሪካ ጽዕንቶ ዝሓድራ ዝነበራ ሃገር ሱዳን እያ ነይራ።
ምኽንያቱ ካብቲ፡ ኣብ 1993 ግብረ ሽበራ እትምውል ሃገር ዝብል መዝገብ ምስኣተወት ገንዘባዊ ማዕቀባት ተገይርዋ ነይሩ፤ ካብኡ ንክትወጽእ ናይ ኣመሪካ ሓገዝ ኣብ ዘድልያኣ ግዜ እዩ ነይሩ።
ስለዝኾነ ድማ፤ ምስ ናይ ግብጺ ቅዋም ወጊና።
'ተታሒዝካ ዕንወት'
ኣብዪ ምስ ትግራይ ኣብ ኲናት ኣትዩ፤ ምስ ሱዳን ድማ ተጓኒጹ፤ ምስ ግብጺ ክደራደር ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ ኣይኮነን።
ምስ ሱዳን ዝተለወለዐ ጎንጺ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዘመናት ተዓብዒቡ ዝጸንሐ ሕማቕ ንሕንሕ እዩ ጋሊሁ።
ኣብ 1980ታት፡ ኮሚኒስታዊት ኢትዮጵኣ ኣብ ሱዳን ንዝነቀሳቐሱ ዓመጽቲ ተዐጥቕ ነይራ።
ሱዳን ድማ፡ ንወሓት ወሲኹ ብሄርተኛ ውድባት ኢትዯጵያ፡ ትሕግዝ ነይራ።
ኣብ 1990ታት ድማ፡ ሱዳን ኢስማለዊ ዕጡቓት ኣብ ኢትዮጵያ ትሕግዝ ነይራ። ኢትኦጵያ ድማ ተቓወምቲ ውድባት ትድግፍ ነይራ።
ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕጥቃዊ ቓልስታትን ዘይምርግጋዕን ከምኡ ድማ፡ ሱዳን ኣብ ዳርፉር ምስ ዘለዉን ኑባ ማውንቴንን ዓመጽቲ ጉጅለታት ዘይተወድኡ ስምምዓት፡ እተን ሃገራት ናብቲ ዘመናት ዘቑጸረ፡ ሕድሕዳዊ ምዝርራግ ክኣትዋ ይኽእላ እየን።
ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ዝለዓለ ጸፍሒ ሰላም ክብ ዝበለ፡ ኣብዪ ኣብ 2019 ናብ ካርቱም ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን ኜእሩ።
እቲ ዕላማ፡ ንዲሞክራሲ ዝግበር ምንቅስቓስ ለውጢ ንምብርትታዕ፣ ውድቀት መንግስቲ ኦማር ኣልበሺር ስዒቡ ድማ፡ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምስ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክስማመዕ ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ።
ናይ ኣብዪ ውልቃዊ ተበግሶ እዩ ነይሩ። ካብኡ ድማ፡ ስሩዕ ንምግባር ብኢጋድ ክድገፍን፣ ብኡ ኣቢልካ ፍረ ክርከቦ ድጋፍ ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ሃገራት ዓረብ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ክድግፈኦ ተገይሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን ሃምዶክ ድማ ብጊድኡ፡ ኣብዪ ምስ ትግራይ ዝኣተዎ ኲናት ክላዝብን ልቓሕ ክመለስን ሃቂኑ ነይሩ።
ተነጺጉ።
እዚ ዝኾነ፡ ብፍላይ ኣብዪ፡ ኣብቲ ናይ ታሕሳስ 20 ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ስለዝኾነ 'ባዕላ ክትዋጸኦ'ያ' ኢሉ ምስ ኣቕበጸ እዩ።
ካብ ትግራይ ስደተኛታት፡ እሞ ድማ፡ ምስ መደንገጺ ዛንታት መጥቃዕታትን ጥሜትን ናብ ሱዳን ብዝወሓዙ ቁጽሪ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ሕቶ ዘተ ምንጻግ ዝኸብዶ'ዩ ይኸውን።
እቲ ምስ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ዶባዊ ጎንጺ ድማ፡ ኣብዚ ኣትዩ ዞባ ዘሎ ቅልውላው ክዓሙቕ ዝገብር እዩ።
ኣሌክስ ዲ ዋል፡ ኣብ ቱፍትስ ዩኒቨርሲቲ [ኣመሪካ] ኣብ ፍሌቸር ሕግን ዲፕሎማስን፡ ዳይሬክተር ወርልድ ፒስ ፋውንዴሽን እዩ።