እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ንግብጺ መዓስከር ኣይሃብኩን ኢላ
ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ መዓስከር ሰራዊት ክተቑም ከም ዝተፈቐደላ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።
ምክልኻል ደቡብ ሱዳን፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግብጺ ኣብታ ሃገር መደብር ሰራዊት ክትሃንጽ ዝሃብኩዎ ፍቓድ የለን ኢሉ።
ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ ላዕለዋይ መራሒ ሰራዊት "ዝተገብረ ስምምዕ እንተዝህሉ ነይሩ ንሕና ኢና ቀዲምና ክንፈልጥ ነይርና። ጁባ ቲቪ ድዩ ካልእ ድዩ፡ እቲ ኣብ ፌስቡክ ኢልዎ ዝተብሃለ ሓሶት እዩ። ምስ ግብጻውያን ዝተገበረ ዝኾነ ስምምዕ የለን" ከም ዝበለ ሓደ ብውልቀ ዝውነን ናሽናል ኩርየር ዝተባህለ ጋዜጣ ደቡብ ሱዳን ጸብጺቡ ኣሎ።
ካልእ መራሒ ሰራዊት ድማ "ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሰራዊት ምትሕብባር እንገብረሉ ስምምዕ ኣለና እዩ፤ ነቲ ስምምዕ ንሱ ክንጥሕሶ ኣይንኽልን። ኢትዮጵያ እታ ሕጂ ዘላትና ሃገር ክትፍጠር እጃማ ኣበርኪታ እያ" ከም ዝበለ ተጠቒሱ'ሎ።
እዚ መልሲ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ፡ ጁባ ቲቪ ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን፡ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን መዓስከር ክትሃንጽ ተፈቒዱላ ዝብል ዜና ምስዘርገሐ እዩ።
ጁባ ቲቪ እንታይ እዩ ኢሉ ነይሩ?
መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ፓጋክ ኣብ ዝበሃል ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ንዶብ ኢትዮጵያ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ግብጺ ሰራዊታ ክተዐስክርን መደብር ወተሃደራት ክትሃንጽን ፈቒዱ ክብል እዩ ጁባ ቲቪ ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ መዓስከር ኣስተት 250 ወተሃደራት ዝሕዝ ምዃኑ'ውን እዩ ገሊጹ ነይሩ።
ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ መዓስከር ሰራዊት ክተቑም ከም ዝተፈቐደላ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።
ምትፍናን ኢትዮጵያን ግብጽን
ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ዘተታት እኳ እንተገበራ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ግን ኣይከኣላን።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከየምርሓ ስግኣታት ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2013፡ ፖለቲከኛታት ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ብሚስጥር እናዘተዩ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ተቓሊሑ ነይሩ እዩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ድማ፡ ሃገሩ ኣብ ሩባ ናይል ንዘለዋ መሰላት ክትሕሉ፡ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምትታት ክትወስድ ከም እትኽእል ተዛሪቡ ምንባሩ ይጥቀስ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ፡ ንኢትዮጵያ ግድብ ካብ ምህናጽ ዝኽልክላ "ዝኾነ ሓይሊ የለን" ምባሉ ዝዘከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዓለማዊ ትካል 'ክራይስስ ግሩፕ'፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ ግድብ ሕዳሰ ናብ ጎንጺ ክኣትዋ ከም ዝኽእላ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ኢዳ ምሕዋሳ'ውን እቲ ዘሎ ምትፍናን ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ምዃኑ ዘርእይ እዩ።
ኣብ መንጎ ክልአቲን ሃገራት ዝለዓል ጎንጺ፡ ንክልቲአን ጥራይ ዘይኮነስ ረብሓ ብዙሓት ሃገራት ዝጸሉ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።