እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ፍልጥቲ ግብጻዊት ዓምደኛ-መርበብ-ሓበሬታ ተኣሲራ
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግብጺ፡ ኣብ 2011 ኣንጻር ፕሬዝደንት ሁስኒ ሙባራክ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ርኡይ ተራ ዝነበራ ጋዜጠኛን ዓምደኛ-መርበብ-ሓበሬታን ከም ዝተኣሰረት ይገልጹ።
ኢስራ ዓብደል ፋታሕ፡ ብቐዳም ብፖሊስ ከም ዝተወሰደት ድማ ይሕብሩ። ክሳብ ሕጂ ግን፡ ብዛዕባ ዘላትሉ ቦታ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣሚር ማግዲ ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፋታሕ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበትን፡ "ከቢድ ማህረምትን ማህሰይትን" ከም ዝበጽሓን ጽሒፉ።
ጋዜጠኛን ዓምደኛ-መርበብ-ሓበሬታን ፋታሕ፡ ፕሬዝደንት ግብጺ ዝነበረ ሆስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣኑ ኣብ ምእላይ ንዝካየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ዘወሃህድ ናይ ዝነበረ ምንቅስቓስ መናእሰይ መስራቲት'ያ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣንጻር ፕሬዝደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ንዝተርኣዩ ውሑዳት ተቓውሞታት ኣተሓባቢሮም ዝተብሃሉ ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ምሁራትን ጎስጎስትን ዝርከቡዎም ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።