እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቓውሞ ግብጺ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተወልዐ ተቓውሞ 'ኣማኢት ተቐይዶም'
ብመንግስቲ ይፍጸም ንዝተበሃለ ብልሽውና ብምቅዋም ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞ ግብጺ፡ ከባቢ 500 ሰባት ከም ዝተቐየዱ ተጣበቕቲ መሰላት ሓቢሮም።
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማታት ካይሮ፣ ኣሌክሳንደርያን ካልኦትን ብዙሓት ሰልፈኛታት ተቓውሞ ዘስምዑ ኮይኖም፡ ብቐዳም ምሸት ድማ ኣብ ደሴታዊት ከተማ ሱውዝ ቀጺሉ።
ሰበስልጣን ግብጺ ዛጊት ክንደይ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞ ክስማዕን ክረኣይን ልሙድ ኣይነበረን።
ካብ 2013 ጀሚሩ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ኮይንካ ምትእኽኻብ ተኣጊዱ'ዩ።
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት፡ ብዉሕድ 60,000 ኣባላት ምንቅስቓስ ሙስሊም ብራዘርሁድ ከም ዝተኣሰሩ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሞት ከም ዝተፈረዶምን፡ ካልኦት ብዙሓት ደሃዮም ከም ዝተስኣነን ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።
እቶም ንተቓውሞ ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ሰልፈኛታት "ኣልሲሲ ካብ ስልጣንካ ተኣለ" ከምኡ'ውን "ህዝቢ እዚ ስርዓት ንኽወድቕ'ዩ ዝደሊ" ክብሉ ድምጾም ኣስሚዖም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓያሎ ኣባላት ጸጥታ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፡ ኣብ ደሴታዊት ከተማ ሱውዝ ግን ሕጂ'ውን ብዙሓት ሰባት ንተቓውሞ ይተኣኻኸቡ ምህላዎም መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
ገለ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሓበርዎ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ብዙሓት ሰባት ደሃይ ኣዝማዶም ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ብምግላጽ ስልኪ ይድውሉሎም ነይሮም።
ሓደ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ከባቢ 500 ሰባት ከም ዝተቐየዱን፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክውስኽ ከም ዝኽእልን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ማእከል ቁጠባን ማሕበራዊ ፍትሕን ግብጺ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ድማ ቁጽሪ ዝተኣሰሩ ሰባት 516 ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።