እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፈጉባኤ ባይቶ ግብጺ፡ ወጻኢታት መንግስቲ ንምብራህ ንሂትለር ንኢዱ
ኣፈጉባኤ ባይቶ ግብጺ፡ ፕሮጀክታት ትሕተ ቕርጺ መራሒ ናዚ ኣዶልፍ ሂትለር ድሕሪ ምንኣዱ፡ ተቓውሞታት ኣጋጢሙ።
ዓሊ ዓብደል ኣል፡ መደባት ልምዓት ፕሬዝረደንት ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ደጊፉ ርኢይቶ እንክህብ'ዩ ነዚ ተዛሪቡ።
ኣፈ ጉባኤ ዓብደል ዓሊ፡ "ዘመናዊት ግብጺ" ንምህናጽ እቲ ፕሬዝደንት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንምእማን፡ "ጀርመን ዝሃነጸቶ ትሕተ ቕርጺ፡ ንመላእ ዓለም መርኣያ'ዩ" ኢሉ። እዚ ናይ መንግስቲ ሚዲያታት እታ ሃገር ጸብጺበንኦ'የን።
"ሂትለር ስሕተት'ኳ እንተነበሮ፡ ግዝኣቱ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ንምግፋሕ ግን ደልዱል ትሕተ ቕርጺ ፈጢሩ'ዩ" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ብርክት ዝበለ ተቓውሞ አንትገጥሞ፡ እቲ ኣፈ ጉባኤ ግን፡ ዘረብኡ "ካብ ብህልኡ ወጻኢ" እዩ ተወሲዱ ይብሃል።
ኣብ ቀረባ ሳምንታት፡ ምስ ህንጸት ፕሮጀክትታት ተተሓሒዙ ኣብ መንግስትን ወተሃደራዊ መሓውርን ዘሎ ብልሽውና ዝተቐዓወሙ ሰባት ታሲሮም'ዮም።
እታ ሃገር ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ህዝባ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ይነብር።
ካብ 1933 ክሳብ 1945 መራሒ ጀርመን ዝነበረ ኣዶልፍ ሂትለር፡ 11 ሚሊዮን ህዝቢ ዘጽነተ ኮይኑ፡ እቶም ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣይሁድ ብምኻኖም ጥራሕ'ዮም ተቐቲሎም።
ተቓወምቲ መንግስቲ ግብጺ፡ ፕሬዝደንት ኣልሲሲ ምስ ሂትለር ምውድዳር፡ ግብጺ ብደረጃ ዓለም ዘጸልማ'ዩ ብምባል ነቒፈሞ።
እቲ ኣፈጉባኤ ን'ኢጅብት ቱደይ' ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ሂትለር "ፈጺምካ ክትንእዶም ዘይትኽእል ገበናት ፈጺሙ'ዩ" ኢሉ።
"ዋላ ሓንቲ ሃገር ብዘይ ትሕተ ቕርጺ ክትምዕብል ኣይትኽእልን፤ ኣብ ዘረባይ ክኣ ነዚ'የ ትኹረት ዝገብር ነይረ" እውን ኢሉ።
ኣብ 2013 ናብ ስልጣን ብዝመጽአ ኣልሲሲ እትምራሕ ዘላ ግብጺ፡ እተአንግዶ ሰልፊ ተቓውሞ ኣዝዩ ውሑድን ዲስፒሊናውን ኮይኑ'ዩ።