ግብጺ፡ መነኮሳት ቤተክርስተያን ኦርቶዶክስ ብሞት ሓደ ኣቡን ተኸሲሶም

ክልተ መነኮሳት ቤተክርስተያን ኦርቶዶክስ ግብጺ፡ ኣበምኔት ናይ ገዳሞም ብዙሕ ደም ፈሲስዎ ሞይቱ ስለዝተረኸበ፡ ብቕትለት ተኸሲሶም።

ሬሳ ናይ ኣቡን ኤጲፋንየስ ኣብ ሓምለ 29 እዩ ኣብ ምዕራባዊ ምድረበዳ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ገዳም ቅዱስ መቃርዮስ ተረኺቡ።

እቶም ብቕትለት ዝተኸሰሱ መነኮሳት ዋኢል ሳዓድን ሪሞን ራሲም ሞንሱርን ዝብሃሉ ኮይኖም ነቲ ኣበምኔቶም "ፍልልይ" ስለዝነበሮም ከምዝቐተልዎ'ዮም ዝኽሰሱ።

እዚ ክስተት ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ክርስትና ከምዝለዉዎ ዝእመን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ግብጺ ኣሰንቢዱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕልዋይ ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ፡ ፈላሲ ዋኢል ኣል ሳዓድ ብ90 ሴንቲ ሜትር ዝቑሞቱ ሓጺን ነቲ ኣቡን ደጋጊሙ ክሃርሞ እንከሎ ተሓጋጋዚኡ፡ ሪሞን ራሲም ሞንሱር ዋርድያ ኮይኑ ከምዝሓለወሉ ኣሚኑ እዩ።

ድሕሪ እዚ ቅትለት ካብታ ቤተክርስታያን ከምዝተሰጎገ ተፈሊጡ።

ክልቲኦም እዞም መነኮሳት ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ክሕበር እንከሎ፡ ምዓስ ዝበል ግን ኣይተገልፀን።

ድሕሪ እዚ ዘሰንብድ ፍፃመ፡ ቤቴክርስትያን ኦርቶዶክስ ግብፂ ጥቡቕ ስጉምትታት ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።

ንሓደ ዓመት ሓደሽቲ መነኮሳት ኣይክትቅበልን፡ ካህናት ዝኾነ ማሕበራዊ ሚድያ ክጥቀሙ ክልኩል ኮይኑ'ሎ። ፈለስቲ'ውን ካብ ገዳም ብዘይ ፍቓድ ከወጹ ክልኩል እዩ።

ሰዓብቲ ቤተክርስተያን ኦርቶዶክስ ግብጺ መን'ዮም?

ኣብ ግብጺ፡ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ እታ ቀንዲ ቤተክርስትያን እያ። ዝበዝሑ ሰዓብቲ ኣብ ግብጺ ክርከቡ እንከለዉ፤ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ክኣ ካብ ግብጺ ወጻኢ ይነብሩ።

ሰዓብቲ እዚ ሃይማኖት፡ 50 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ማርቆስ ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እምነቶም ከምዝጀመረ ይኣምኑ።

ሓላፊ እዚ ቤተክርስተያን ጳጳስ ክብሃል እንከሎ፡ ተካኢ ናይ ሃዋርያ ማርቆስ ተጌሩ ይውሰድ።

ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግብጺ፡ ኣብ 451 ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ብምኽንያት ሰባውን ኣምላኻዊ ባህሪ እየሱስ ዝተለዓለ ምፍልላይ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ክርስትና ከምዝተፈለየ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ታዋድሮስ ካልኣይ ጳጳስ ቤተክርስተያን ኦርቶዶክስ ግብጺ ኮይኑ ንእገዳ ምጥቃም ማሕበራዊ ሚድያ ንምትግባር፡ ኣብዚ ወርሒ ናይ ፌስቡክ ኣድራሽኡ ምጽጻዉ ይንገር።