ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ፡ "ንሰላም ደቡብ ሱዳን ክንዲ ኢትዮጵያ ዝደኸመ የለን"

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2010 ዝተሰርሑ ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ፍጻሜታት ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብገለ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝዝርግሑ ጸብጻባት ሙሉእ ምስሊ ኢትዮጵያ ዘንጸባርቑ ኣይኮኑን ኢሉ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣቶ መለስ ኣለም፡ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ዝበጽሑዎ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ግዘ ሂባ ዝደኸመትሉን ዝለፈዐትሉን ዓብዪ ስራሕ'ዩ ክብል ይገልጾ።

"መራሕቲ ፖለቲከ ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻርን ሳልቫ ኪርን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ንከይረኣኣዩ ወሲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ ብሽምግልና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓንቲ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም'ዮም" ኢሉ።

ኣብ ቀረባ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ካርቱም ስምምዕ ሰላም ክመዝፈረሙ ዝዝከር'ዩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ብባይቶ ኣሜሪካ ዝጸደቐ ዉሳነ ሓሳብ "ኤች ኣር 128" ኣብ ምርቃቕ ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ክሪስ ሚዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብኣካል ክዕዘብ ዕድል ከምዝህልዎ ድማ ኣብሪሁ።

ኣቶ መለስ ኣብ መግለጺኡ፡ ፕረዚደንት ቬትናም ጽባሕ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ከምዝጅምር ሓቢሩ።