ዓብዱራሕማን ሰይድ "ኣብ ሱዳንን ቅልውላው እንተተፈጢሩ ንግብረሽበራውያን ጥጡሕ ባይታ'ዩ ዝኾነሎም"

ብሰኑይ 9 መጋቢት 2020 ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒሰትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፈተነ ቅትለት ከም ዝተገበረ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ድሕሪ እቲ ፈተነ ቅትለት "ንህዝቢ ሱዳን ደሓን ምዃነይ ከረጋግጸሉ እደሊ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ባኪት፡ "ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝጓዓዘላ ዝነበረት መኪና ብነታጒ መጥቃዕቲ በጺሕዋ ኣሎ፤ ኣምላኽ ይመስገን ዝተጎድአ ሰብ ግን የለን" ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ክሳብ ሕጂ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ኣብ ሱዳን ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ብምጥቃስ፡ ዋላ ዕልዋ መንግስቲ ክግብር እንከሎ እውን ኣብ ርእሰ ከተማን ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ጥራይ እዩ ዝካየድ ነይሩ ይብል።

" ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ፈተነ ቅትለት ተገይሩ ስለ ዘይፈልጥን እዚ ክስተት ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ዝወስድ እዩ። ካልኣይ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ብዘይምህላው፡ ዝመጽእ መድረኽ ናይ ሱዳን ናብ ውልቀ ምልኪ ዘሰጋግር ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ክኸውን ይክእል እዩ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ብምስዓብ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ከም መፈራርሒ ዝቐርብ ነጥቢ ኣብ እዋን ምስግጋር ናይ ውልቀ ምልኪ ስርዓት እንተዘይተኺልኩም ናብ ሕንፍሽፍሽ ክትኣትዉ ኢኹም ዝብል ምኽንኒት ዝጠቅስ ዓብዱልራሕማን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ንሰለስተ ዓመታት ዝተተኸለ ናይ መሰጋጋሪ መንግስቲ'ውን ሰራዊት ሱዳንን ላዕለዎት ጀነራላትን ዝዓብለልዎ ምኻኑ የብርህ።

ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ሓላፊ ናይቲ ሰራዊት ብምኻን ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ብምዝኽኻር፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ዓብደላ ሓምዶክ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት'ውን ናይዚ ምልክታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይጠቅስ።

ኣብ ሱዳን ዝቐውም ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ ሚሊሻ ምኻኑ ብምግላጽ ንህልው ኣቃውማ ሰራዊት ሱዳን ዝትንትን ዓብዱልራሕማን፡ ክሳብ ሕጂ ተጸዋዕነትን ተሓታትነትን እዚ ሓይሊ ንህዝቢ ይኹን ንመንግስቲ ወይ'ውን ሰራዊት እታ ሃገር ምኻኑ ከም ዘይነጸረ ይዛረብ።

"እዚ ሓድሽ ሓይሊ ኣካል እቲ ስሩዕ ሰራዊት ዘይኮነ ሚሊሻ'ዩ፤ እዚ ድማ ብምኽትል እቲ 'መጅሊስ ኣልስኣዳ' ዝምራሕ 'ራፊክ ታስክ ፎርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ሰለዎ ኮይኑ፡ ካብቲ ስሩዕ ሰራዊት ንላዕሊ በጀትን ዕጥቅን ዘለዎ'ዩ" ይብል።

ንቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት መንግስታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ኮኒኖሞ'ዮም።

ብፍላይ መንግስቲ ኤርትራ ግን እዚ ፈተነ ቅትለት ደገፍ ግዳማዊ ሓይልታት ደገፍ ኣለዎ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ናይ ወጻኢ ምትእትታው ክህሉ እንድሕር ኮይኑ፤ ኣብቲ ዞባ መንግስቲ ሱዳን ናብ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ከምርሕ ዘይደልይዎ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም እዚ ድሌት እዚ ክሳብ ስግር ባሕሪ'ውን ከም ዝዝርጋሕ ይጠቅስ።

ነዚ ጉዳይ ምስቲ ሱዳን ኣብ ኣተሓሕዛ ኒል ትወስዶ መርገጺ ብምዝማድ እውን ኢዶም ናብ ግብጺ ገጾም ዘወጣውጡ'ውን ኣለዉ።

ተንታኒ ፖለቲካ እዚ ዞባ ዓብዱልራሕማን ኣቡሓሽሽም ግን ካብዚ ዝተፈለየ ገምጋም'ዩ ዘለዎ።

"ኣብ ጉዳይ ኒል፡ ካብ ግዜ ኣልበሽር ኣትሒዙ ሱዳን እትወስዶ መርገጺ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ እዩ። ግብጻውያን እውን ኣብ ሱዳን ዝገበሩ እንተገበሩ ሕቶ ናይ ፈለግ ኒል ብኸምዚ ኣገባብ ዝፍታሕ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ጸገም ናይ ፈለግ ኒል ካብቲ ኣብ 1929 ዝተገበረ ስምምዕ እዩ ዝጅምር" ይብል።

እዚ ስምምዕ እዚ ንግብጺ እቲ ዝዓበየ ረብሓ ዘሐሉ እዩ ነይሩ።

መገብቲ ኒል ዝኾና ሃገራት ግን ዝኾነ ዓይነት ግድብ ክገብራ እንድሕር ኮይነን ካብ ግብጺ ፍቃድ ክሓታ የገድድ።

ኣብ 1929 ከምኡ እውን ኣብ 1959 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ስምምዓት ክግበር እንከሎ፡ ግብጽን ዝበዝሓ እተን ኣብ ናይ ናይል ተፋሰስ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ እየን ነይረን።

እንግሊዝ ንግብጺ ዝለዓለ ኢድ ክህቡዋ ዝመረጽሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ እዋን ኣገዳሲ ዝነበረ ኣታኽልቲ ጡጥ ግብጺ ተፍሪ ስለ ዝነበረት ምዃኑ፡ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ይገልጽ።

ብምስዓብ "ጽልዋ ሱዳን ዝተሓተ ክኸውን ዝገበሮ'ውን ኣብቲ እዋን እቲ ግብጺ ብእንግሊዝ ተሓጊዛ ንሱዳን ተመሓድራ ስለ ዝነበረት እቲ ስምምዕ ንሱዳን ዝውክል ኮይኑ ኣይተረኸበን" ኢሉ።

ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም "ኣብ ሱዳን ንመንግስቲ ግብጺ ዝድግፈ ወይ ዝቃወም መንግስቲ ዋላ ይምጻእ፤ ኣብቲ ኣቀዲሙ ዝተኸተመ ስምምዓት ግብጺ ዝለዓለ ኢድ ስለ ዘለዋ፤ ኣብዚ ተሞርኪስና ግብጺ ምስ ኒል ኣተሓሒዛ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክትዋፈር ትኽእል እያ ዝብል ግምት የብለይን" ይብል።

እዚ ፈተነ ቅትለት ንህላወ ደገፍቲ ዑመር ኣልበሽር ወይ ነዚ ዘሎ ስርዓት ሱዳን ዝቃወሙ ከርኢ ይኽእልዶ? ንቀርኒ ኣፍሪቃኸ ብኸመይ ክጸልዎ ኽእል?

ዓብዱልራሕማን መብርሂኡ እንክቕጽል፤ "ሱዳን ሕጂ ቅልውላው ክጻወር ዝኽእል ዓቕሚ የብላን፤ እንድሕር ቅልውላው ክልዓል ክኢሉ ኸኣ ንጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ምጽላዉ ዘይተርፍ እዩ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ክህሉ ይኽእል እዩ" ይብል።

ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብምስዓብ "ኣብቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ሱዳን ዝዳወባሉ ኸባቦታት ኸኣ እቲ ሕብረተሰብ ንሓድሕዱ ዝተሓናፈጸ እዩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ስለዘለዉ ብሰብኣዊ ዓይኒ ክረአ እንከሎ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።"

"ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክረአ እንከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዝኾነ ዓይነት ጸጥታዊ ቅልውላው ናቱ ሳዕቤናት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከልሕም ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ ንግበረ ሽበራውያን ዓዳሚ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፤ ዕግርግር ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ ንግብረሽበራውያን ጥጡሕ ባይታ እዩ ዝፈጥር" ይብል ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም።

ዓብደላ ሓምዶክ መን እዩ?

  • ዓብደላ ሓምዶክ፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ፡ ብነሓሰ እዩ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ ተሸይሙ
  • ኣብ'ቲ እዋን፡ ሰላም ንምምጻእን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጣባዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ
  • ንሱ፤ ካብ 2011 ጀሚሩ ክሳብ 2018፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉጥ በዓል ሞያ ቁጠባ እዩ
  • ኣብ 2018፤ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ከገልግል ብኣልበሽር ተሓጽዩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሱ ግን ኣይተቐበሎን
  • ብ1956 ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኮርዶፋን ተወሊዱ
  • ካብ ዩንቨርሲቲ ማንቸሰተር ብመጽናዕቲ ስነ-ቁጠባ ፒኤችዲ ኣለዎ
  • ኣብ 1990ታት፡ ኣብ ዙምባብዌ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓለምለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ኣገልጊሉ
  • ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ (ኢሲኤ) ኮይኑ ሰሪሑ