እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንዝወሰደቶ 'በይናዊ' ማይ ናይ ምምላእ ስጉምቲ ኮኒና
ግድብ ሕዳሰ ማይ ክመልእ ብምጅማሩ መጠን ማይ ፈለግ ናይል ከም ዝጎደለ ሱዳን ገሊጻ። ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ በይናዊ ስጉምቲ” እውን ኮኒና።
ሱዳን፡ “ብዝኾነ ወገን ዝውሰድ በይናዊ ስጉምቲ” ከም እትቃወሞ’ያ ገሊጻ ዘላ።
ግብጺ ብወገና፡ ካብ ኢትዮጵያ “ቅልጡፍ ወግዓዊ መብርሂ” ሓቲታ’ላ።
ክልቲአን ሃገራት (ግብጽን ሱዳንን)፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ፡ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ናብኣተን ዝውሕዝ መጠን ማይ ክንክዮ እዩ ዝብል ስግኣት ሓዲሩወን ይርከብ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ እቲ ግድብ ንዝወጠነቶ ቁጠባዊ ልምዓትን፡ ምዕባይ ሓይሊ ኤለክትሪክን ወሳኒ ምዃኑ’ያ ትምጉት።
“ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ እንተ ዘይመሊኣቶ፡ ከተዕንዎ ተሰማሚዓ ኣላ ማለት’ዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ ነይሩ።
ትማሊ ረቡዕ፡ መንግስታዊ ሜድያ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ፡ እቲ ግድብ ምምላእ ከምዝጀመረ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ግጉይ’ዩ ነይሩ ብምባል ኣሪምዎ’ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ማይ ከምቲ ዝነበሮ ይውሕዝ እንተሎ ብንጹር ኣይተገልጸን።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ብዘይፍረ ተወዲኡ’ዩ። እቲ ዘተ፡ ብሰንኪ “ዘይተቐየረ፡ ተወሳኺን ሕሉፍን ጠለባት ግብጺ” ከም ዝበርዓነ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።
ሚኒስተር ዜና ሱዳን፡ ፋይሳል ሳልሕ፡ እቲ ጉዳይ ብዘተ ዝመጽእ ርትዓዊ መፍትሒ የድልዮ ኣሎ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሱዳን ከም እትብሎ፡ ንመዓልቲ 90 ሚልዮን ኲቢክ ሜትሮ ማይ ክጎድል ጀሚሩ’ሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳመሕ ሹክሪ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ግድብ ብዘይስምምዕ ክመልእ እንተጀሚሩ፡ “ነቲ ዘሎ ወጥሪ ብምግዳድ፡ ናብ ቅልውላዉን ግጭትን ከምርሕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣመሪካን ዓለማዊ ባንክን ዘይተዓወትሉ ዘተ ንምሽምጋል ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ቀንዲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ብልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ፡ መዓስ፡ ብኸመይን፡ ክንደይ ዝኣክልን ማይ ክመልእን ክሕዝን ዝብል’ዩ።
መዓስን በኸመይን’ዩ ክመልእ?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወስደ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘርእዮ እቲ ግድብ ማይ ከዕቁር ጀሚሩ ከምዘሎ ዝሕብር’ዩ።
ገለ ኣስማቶም ዘይተገልጸ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵ ዝሃርም ዘሎ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ልዕሊ ዓቕሚ ናይቲ ግድብ ማይ ስለዝወሓዘ’ዩ ከም ዝበሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ንክመልእ ክሳብ 7 ዓመት ከም ዝወስድ ዝተገልጸ ግድብ ሕዳሰ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዓመት ኣስታት 5 ቢልዮን ኲቢክ ሜትሮ ክሕዝ ትጽቢት ይግበር። እዚ ድማ ነቶም ታሕተዎት ቱቦታት መመንጨዊ ጸዓት (ተርባይናት) ክፍተኑ ዝሕግዝ’ዩ።
ክራማት ምስ ሓለፈን፡ ማይ ምስ ጎደለን ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል ህንጸት ናይቲ ግድብ ከም ዝቕጽል ክግበር’ዩ።
ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ድማ ተወሳኺ 13.5 ቢልዮን ኲቢክ ክሕዝ’ዩ። ኣብዚ ደረጃ ምስ በጽሐ ኸኣ ነቶም ተወሰኽቲ ተርባይናት ከስርሕ’ዩ ማለት’ዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ተሃኒጹ ምስ ተወድአ ድማ ኣብ ክራማት 74 ቢልዮን ኲቢክ ሜትሮ ክሕዝ ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣብ መንጎ ክራማት ኣብ ዘሎ ወቕትታት ድማ፡ ናብ 49.3 ቢልዮን ክወርድ ይሕሰብ።
ብማእከላይ ገምጋም፡ መጠን ዋሕዚ ማይ ሩባ ኣባይ (ሰማያዊ ናይል)፡ 49 ቢልዮን ኲቢክ ሜትሮ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ግድብ፡ ንመመንጨዊ ጸዓት (ሓይሊ ኤለክትሪክ) ተባሂሉ ጥራይ ዝስራሕ ዘሎ’ዩ።