እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?
ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዝወጸ ደረጃ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዓለም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ 6ይ ደራጃ ተሰሪዓ'ላ።
ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ብምእካብ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘቕርብ 'ግሎባል ፋየር ፓወር' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር፡ 35 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣትየን ኣለዋ።
ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ዓለም'ውን ኣብ መበል 60 ሰፊራ'ላ።
ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፥ ሞሮኮን ኢትዮጵያን፡ ተኸታቲልን ካብ ቀዳማይ ክሳብን 6ይ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።
ጎረቤት ሃገር ሱዳን ድማ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ሰሪዕዋ'ሎ።
ግሎባል ፋየር ፓወር፡ ነቲ ደረጃታት ኣብ ምስራዕ ልዕሊ 50 ረቛሒታት ተጠቒሙ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዝምልከት ደቂቕ ሓበሬታ ኣውጺኡ።
ኣብቲ 138 ሃገራት ዓለም ተጠቒሰናሉ ዘለዋ ደረጃ፡ እተን ፍሉጣት ሓያላት ሃገራት ኣብ ላዕሊ ተሰሪዐን ኣለዋ።
ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፥ ህንዲ፥ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ተኸታቲለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ 6ይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓለም ደረጃ፡ ግብጺ ኣብ መበል 13፡ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 60 ሱዳን ድማ ኣብ መበል 77 ተሰሪዐን።
ካብቶም ኣብ ግምት ዝኣተዉ ገለ ካብ ቀንዲ ረቛሒታት፡ ሓይሊ ሰብን ወታሃደራዊ ዕጥቅን ምዃኖም ተፈሊጡ።
ብዝሒ ህዝቢ፡ ገንዘባዊ ዓቕሚ፡ ቀረብን ኣቀማምጣ መሬትን'ውን ካብቶም 50 ረቛሒታት'ዮም።
ኣብቲ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ 108 ሚልዮን ህዝቢን 162,000 ብዝሒ ሰራዊት፡ 24 ነፈርቲ ውግእ፡ 8 ተዋጋእቲ ሄለኮፕተራት፥ 365 ታንክታትን 130 ድሩዓት ተሸከርከርቲን ከምዘለዋ ተጠቒሱ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ 480 ከበድቲ ብረታት፡ 180 መተኮሲ ሮኬታት ከምኡ'ውን 65 ፈኮስቲ መዳፍዕን ትውንን።
ብወታሃደራዊ ባጀት ክዕቀን እንከሎ ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 520 ሚልዮን ዶላር ተጥፍእ።
እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለትን ልዕሊ 104 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ሃገረ ግብጺ ብወገና፡ ብዝሒ ሰራዊታ ኣስታት ሓደ ሚልዮን (930,000) ከኸውን እንከሎ፡ 250 ነፈርቲ ውግእ፡ 91 ተዋጋእቲ ሄለኮፕተራትን፡ 3,735 ታንክታትን ትውንን።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ሰራዊት እታ ሃገር 2,200 ከበድቲ ብረታትን ልዕሊ 11,000 ድሩዓት መካይንን ኣለዎ።
ኣብ ዓመት ከኣ ግብጺ 10 ቢልዮን ዶላር ወታሃደራዊ ባጀት ከም ትስልዕ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
እታ ብደረጃ ዓለም ኣብ መብል 77 ትርከብ ሱዳን ብወገና፡ ልዕሊ 45 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ብዝሒ ሰራዊታ 190,000 ይበጽሕ።
ወታሃደራዊ ዕጥቂ ሰራዊታ ድማ፡ 45 ነፈርቲ ውግእ፡ 43 ናይ ውግእ ሄለኮፕተራት፡ 830 ታንክታትን 450 ድሩዓት ተሽከርከርትን የጠቓልል።
ዓመታዊ ወታሃደራዊ ባጀታ ድማ 4 ቢልዮን ዶላር ምዃኑ ግሎባል ፋየር ፓወር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ'ሎ።
ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ መበል 12፡ ደቡብ ሱዳን መበል 22፡ ሶማልያ መበል 34 ተሰሪዐን ኣለዋ።
ኤርትራ ግን ካብተን ኣብቲ ዝርዝር ዘይኣተዋ 19 ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብምስታፍ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝተዋፈሩ ወታሃደራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ ሃገር'ያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኣብ ኣወዳድባ ናይቲ ሰራዊት ለውጥታት ብምግባር ብዕጥቅን ስልጠናን ዘመናዊ ንምግባሩ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።