ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመስጊድ ኣልነጃሺ ክጽግኖ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ትግራይ ካብ ውቕሮ ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝወስድ ከባቢ ፍሉሽ ስሙ ነጋሽ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ኣል ነጃሺ ከምኡ’ውን ቤተክርስትያን ኣማኑኤል ጉድኣት ከምዝበጽሖም በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ዳይረክተር እቲ በዓል መዚ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው፡ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺን ቤተክርስትያን ኣማኑኤልን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ዘበናት ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ ዝወረዶ፡ መስጊድን ካልእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያንን ጽገና ክገብረሎም ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ መስጊድ ደብዳብ ከም ዝበጽሖን ከም እተዘመተን፡ ኣብኡ ዝርከብ ታሪኻዊ መቓብራት'ውን ከም ዝዓነወ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶክተር ጄይላን ከድር ግን ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ መስጊድ ዝበጽሐ ጉድኣት መረዳእታ ከምዘይበጽሖምን ድሕሪ ክልተ መዓልታት ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ጉጅለ ወግዓዊ ከምዝግበርን ተዛሪቦም።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስጊድ ጉድኣት ምብጽሑ ከምዝሰምዐ ብምግላጽ፡ እቲ በዓል መዚ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ክልተ ጉጅለታት መጽናዕቲ ከምዘቖመ ሓቢሩ።

እቶም ጉጅለታት ናብቲ ቦታ ዝኸዱሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ኣብያተ እምነት ዝበጽሑ ጉድኣት መጠኖም ብምጽራይ ንጽገና ዝኸውን መረዳእታ ንምእካብ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ድማ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ሃይማኖታዊ ኣቦታት ብምርኻብ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥ ብዘይምኽኣሉ፡ መጠን እቲ ጉድኣት ምርግጋጽ ከምዘይተኽኣለ ወሲኹ ገሊጹ።

ምኽትል ፕረዚደንት እስላማዊ ጉዳያት ዶክተር ጀይላን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፤ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝበጽሐ ጉድኣት ምጽራይ ምስተገበረሉ ንህዝቢ ወግዓዊ ክግበር’ዩ።

ምኽትል ዳይረክተር በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ብወገኑ እቶም ሃይማኖታዊ ቦታታት ጽገና ተገይሩሎም ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣማኑኤል’ውን ተመሳሳሊ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ሰሚዕናለና ዝበለ እቲ ምኽትል ዳይሬክተር፡ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ሃይማኖታዊ ቦታታት ዝበጽሐ ጉድኣት ኣጽኒዑ ዝምለስ ቀዳማይ ጉጅለ ከምዝለኣኽ ኣመልኪቱ።

ካልኣይ ጉጅለ ድማ ኣብቶም ቦታታት ዝነበሩ ተንቀሳቐስቲ ቅርስታት (ውርሻታት) ኣብዚ እዋን ኣብ ቦትኦም ኣለዉ’ዶ የለዉን ዝብል ክድህስስ ምዃኑ ኣረዲኡ’ሎ።

እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ናብቲ ከባቢ ከምዝኸይድ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ንዝተኻየደ ውግእ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝበጽሐ ጉድኣት ዘርእዩ ስእልታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክረኣዩ ኪኢሎም ኣለዉ።

ነዚ ብዝምልከት ካብ ወገን እቲ ኣብ ትግራይ ዝቖመ ጊዜያዊ ምምሕዳር ኮነ መንግስቲ ፌደራል ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ነቲ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝኾነኑ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)ን ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብሳልሳይ ኣካል ምጽራይ ክካየድን እቲ ቅርሲ (ሓድጊ) ብቕልጡፍ ተጸጊኑ ናብ ዝነበሮ ክምለስን ጸዊዖም ኣለዉ።

ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 60 ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ፡ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ካብ መንግስቲ ቱርኪ ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ ጽገና ተገይሩሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ 4 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ መስጊድ ናይ ጸሎት ቦታን ክልተ መቓብራትን ሒዙ ይርከብ። ንኣልነጃሺ ንምርኣይ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመጽኡ ሰባት ዝዓርፉሉ ክፍልታት’ውን ተሰሪሑሉ’ዩ።

እቲ መስጊድ እንታይ ኣጋጢምዎ?

ኣብ በልጅዩም ዝመደበሩ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር 'ዩሮፕ ኤክስተርናል ፕሮግራም ዊዝ ኣፍሪካ' ብ18 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ መስጊድ ኣልነጃሺ ደብዳብ ከም ዝበጽሖን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዝተዘመተን ጸብጺቡ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ "ምንጭታት ትግራይ፡ ነቲ መስጊድ ክከላኸሉ ዝፈተኑ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምግላጾም" ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ዝበሎ የሎን። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ኣብ ትግራይ ኣንጻር ህወሓት ክዋጋእ ዝወፈረ ሰራዊት ኤርትራ ከምዘየሎ'ውን ይገልጹ።

መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፡ ህወሓት ኣብ ከባቢ እቲ መስጊድ ድፋዓት ከም ዝዃዓተ፡ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝሰምዐ ጸብጺቡ። ኪንዮ እዚ ግና ዝርዝር ኣይነገረን።

መንግሰቲ ኣብ ትግራይ ኣንቢርዎ ብዝርከብ ቀይድታት፡ ብልክዕ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።