እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከልቢ ሒዛ ናብ መስጊድ ዝኣተወት ጓል ኣንስተይቲ
ከልቢ ሒዛ ናብ መስጊድ ዝኣተወት ኢንዶኔዢያዊት ብግህሰት ክብረት ሃይማኖት ካብ ማእስረትን ፍርድን ምሕረት ተገይሩላ።
ኢንዶኒዥያውያን፡ ሱዜት ማርጋሬት ናይ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ከልባ ኣምሪሓ ምስ ጫማኣ ናብ መስጊድ ክትኣቱ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብበዝሒ ዘርጊሖምዎ።
ተግባር ማርጋሬት ድማ ንብዙሓት ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣቖጢዑ እዩ።
ኣኽልብቲ፡ ብሰዓብቲ እምነት ምስልምና ከም ረሳሕን ሕማቕ ፍጥረትን እዮም ዝቑጸሩ።
እቶም ኣብ ልዕሊ ማርጋሬት ዝቐረበ ክሲ መርሚሮም ውሳነ ክህቡ ዝተሰየሙ ዳያኑ ግና ብጥዕና እታ ተኸሳሲት ተጠራጢሮም።
እቲ ምስሊ እንታይ የርኢ?
እዚ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተቐባበሉሉ ምስሊ ማርጋሬት፡ ተኸታሊት እምነት ካቶሊኽ ምዃና ይጠቅስ።
ጫምኣ ከየወጽአት ምስ ከልባ ናብቲ መስጊድ ምስ ኣተወት፡ በዓል ቤታ ኣብቲ መስጊድ መርዓ ክፍጽም ቆጸራ ከም ዝሓዘ ብሕርቃን ትዛረብ ነይራ።
በዓል ቤታ ሃይማኖቱ ናብ ምስልምና ብምቕያሩ ነቲ መስጊድ ዝወቐሰት ማርጋሬት፡ ካብቲ መስጊድ ክትወጽእ ንዝሓተታ ዋርድያ ክትሃርሞ ፈቲና'ያ።
መራሕቲ እቲ መስጊድ ግን፡ እቲ ብዛዕባ እቲ ማርጋሬት ሽሙ እናልዓለት እትዛረበሉ ዘላ ሰብ ይኹን ብዛዕባ እቲ ክፍጸም'ዩ ዝተብሃለ ስነ ስርዓት መርዓ ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም።
ተግባር ማርጋሬት ብውሑድ ንሸሞንተ ወርሒ ማእሰርቲ ከቕጽዓ ዝኽእል'ኳ እንተነበረ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለዋ ስለዝተረጋጊጸ፡ ዳያኑ ብነጻ ኣሰናቢቶምዋ።