ጃካርታ፡ ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ ትወሓጥ ዘላ ከተማ

ርእሰ ከተማ ኢንዶኖዢያ፡ ጃካርታ 10 ሚልዮን ነባሪ'ኳ እንተሃለዋ፡ ኣብ ዓለም ካብ ሞንጎ እተን ብቕልጡፍ ብማይ ዝወሓጣ ዘለዋ ከተማታት'ያ።

እዚ ኩነታት ምክትታል እንተድኣ ዘይተገይርሉ፡ መላእ ትሕዝቶ እዛ ከተማ ኣብ 2050 ናብ ዘይንቡር ክልወጥ'ዩ ይብሉ ተመራመርቲ።

ራሕሲ ዝበዝሖ ከባቢ ኣለዋ፡ ባሕሪ ጃቫ ድማ ነታ ከተማ ኣቋሪጹ ይሓልፍ፣ ካልኦት 13 ሩባታት'ዉን መሕለፊኦም እዛ ከተማ'ያ።

ሓደጋ ዉሑጅ ንከተማ ጃካርታ ሓድሽ ክስተት ኣይኮነን። ሰብ ሞያ ከምዝብሉዎ ግና ሕዚ እናብኣሰ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እታ ከተማ ከምዘይነበረት ክገብራ ዝኽእል ሓደጋ ኣንጸላሊዩዋ ኣሎ።

"ጃካርታ ከምዘይንቡር ክትኸዉን'ያ ዝብል ዕድል ዘስሕቕ ኣይኮነን" ይብል ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ባንደንግ ትሕዝቶ መሬት ጃካርታ ዘጽንዐ ሄሪ ኣንድረስ።

"ዉጽኢት መጽናዕታትና እንተድኣ ርኢናዮም ብ2050 ኣስታት 95 ሚኢታዊት ሰሜናዊ ጃካርታ ናብ ዘይንቡር ክኣቱ'ዩ"።

እቲ ግምት እናተፈጸ'ዩ። ኣብ ዉሽጢ 10 ዓመት 2.5 ሜትሮ ሰሜናዊ ጃካርታ እናተዉሓጠ'ዩ። እዚ በብዓመቱ 25 ሴንቲ ሜትሮ ዝርአ ምህማም መሬት ጃካርታ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ማእኸላይ ግምት ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ'ዩ።

ጃካርታ፡ ብማእኸላይ ኣብ ዓመት ካብ 1-15 ሴንቲ ሜትሮ ትሰምጥ ዘላ እንትኾን፤ ሕዚ፡ ዳርጋ ፍርቂ እታ ከተማ፡ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ባሕሪ'ዩ ዝርከብ።

ናይዚ ዉጽኢት ድማ ኣብ ሰሜናዊ ጃካርታ ይርአ ኣሎ። ማዉራ ባሩ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ እታ ከተማ፡ ሓደ ህንጻ ሙሉእ ብማይ ተዉሒጡ ይርከብ።

እዚ ህንጻ ብማይ'ዩ ተዉሒጡ ዘሎ። እቲ ማይ ናብ ዝኸዶ የብሉን። ከምዚ ዝበሉ ብማይ ዝተዉሓጡ ህንጻታት ንግዚኡ ክጸንሑ ብምግባር ወነንቶም ናይ ሓጺር ግዜ ካሕሳ ዝረኽብሉ ዕድል ይፈጥረሎም።

ጠጠዉ ከብሉዎ ዘይኽእሉ ግና፡ ነዛ ከተማ ዝዉሕጣ ዘሎ ልሑም ሓመድ'ዩ።

"እቶም ኣጋር ዝጉዓዘሎም መገዲታት ልክዕ ከም ማዕበል የማነ ጸጋም እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ሰባት እናወደቑ'ዮም ዝሓልፉ" ይብል ነባሪ ማዉራ ባሩ ሬድዋን።

እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማይ ንላዕሊ ብዝተፍአ ቑጽሪ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መሬት እናተዉሓጠ ካልእ ቕርጺ ዘለዎ መሬት ይፍጠር ኣሎ።

"ዓመት ካብ ዓመት፡ እቲ መሬት ይዉሓጥ'ዩ ዘሎ" ይብል ሬድዋን።

ሰሜናዊ ጃካርታ ኣብ ታሪኽ ወደባዊት ከተማ ኮይና እያ ኣገልጊላ። ክሳብ ሕዚ'ዉን ኣብ ኢንዶኖዢያ እቲ ጽዑቕ ወደብ'ያ ተአንግድ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ወደብ ስራሕቲ ንግዲ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ፡ ድኻታት ሰባትን ሃብታማት ቻይና-ኢንዶኖዢያዉያንን ዝርከቡዎም 1.8 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ቤት ማዘጋጃ ይነብሩ።

ዝተረፈ ኽፋል ጃካርታ'ዉን እንተኾነ ካብዚ ስግኣት ኣይድሓነን። ኣብ ምዕራባዊ ጃካርታ፡ በብዓመቱ እቲ መሬት ብ15 ሴንቲ ሜትሮ ይዉሓጥ፣ 10 ሴንቲ ምትሮ ምብራቕ፣ 2 ሴንቲ ሜትሮ ማእኸላይ ጃካርታ፣ ሓደ ሴንቲ ሜትሮ ድማ ደቡብ ጃካርታ ይዉሓጥ።

ኣብ ዓለም ዘለዋ ማያዊ ከተማታት በዚ ሓደጋ ዝጥቅዓሉ ምኽንያት፡ ለዉጢ ኩነታት ኣየር ጸፍሒ ባሕሪ እናወሰኸ ብምምጽኡ'ዩ።

ምዉሳኽ ትሕዝቶ ጸፍሒ ባሕሪ፡ ብምኽንያት ልዕሊ ዓቐን ዋዕን ምምካኽ በረድን'ዩ ዘጋጥም። ኣብ ጃካርታ ዘሎ ጉዳይ ግና ልዕሊ እቲ ክግመት ዝኽእል'ዩ ይብሉ ሰብ ሞያ።

ኣብ ጃካርታ ኣጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ ብዚ ጥራሕ'ዉን ዝመጽአ ኣይኾነን። ጸገም መሰረተ ልምዓት ማይ ንዘለወን ከባቢታት ቐረብ ንምብጻሕ ዝካየድ ኳዕቲ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ።

ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ማይ ብመስሓቢ ማይ እንትወጽእ፡ ኣብ ኣለዕሊ ዘሎ መሬት ንሓደጋ ምዉሓጥ ይቃላዕ።

"ኩሉ ሰብ፣ ኢንዳስትሪታትን ካልኦትን ማይ ትሕቲ መሬት ናይ ምጥቃም መሰል'ኳ እንተሃለዎም፡ እቲ ጸገም ግና ልዕሊ እቲ ኽኸዉን ዝግብኦ ዓቐን ምጥቃሞም'ዩ" ይብል ሄሪ ኣንድረስ።

ብዙሓት ግና፡ ሰበ ስልጣን ጠለቦም ከማልኡሎም እንተድኣዘይኽኢሎም፡ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ይዛረቡ። ሓለፍቲ ስራሕ ኣገልግሎት ማይ ጃካርታ 40 ሚኢታዊት ማይ ጥራሕ'ዮም ከቕርቡ ዝኽእሉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ምምሕዳር ጃካርታ ኣብ ከተማ ማእኸላይ ጃካርታ፡ 80 ዓበይቲ ሆቴላት፣ ትካላት ንግድን ካልኦት ኣብ ዘካየዶ ፈተሻ፡ 56 ህንጻታት ናይ ባዕለን ማይ መስሐቢ ሞቶረ ሒዘን ተረኺበን።

እቶም 33 ብዘይሕጋዊ መገዲ'ዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።

ኣማሓዳሪ ጃካርታ ኣኒስ ባስዌዳን፡ ኹሉ ፍቓድ ክህልዎ ከምዝግባእ ብምግላጽ፡ እዚ ሓለፍቲ ስራሕ መንህግስቲ ክንደይ ዝኣክል ማይ ተስሒቡ ከምዝወጽአ ንምፍላጥ ክመዝሕግዞም ሓቢሩ።

ነበርቲ ጃካርታ መጻኢኦም ብማይ ትዉሓጥ ኣብ ዘላ ከተማ ኾይኖም ይስእሉ ኣለዉ።

"ኣብዚ ምንባር ሓደጋ'ዩ" ኢላ ነባሪት እታ ከተማ ሶፊያ ፎርቱና፡ "ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት እቲ ሓደጋ ተቐቢሎም'ዮም ዝነብሩ" ኢላ።

ጃካርታ!