እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣርሲ ብዝተፈጠረ ምህማም መሬት 22 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዞባ ነንሰቦ ቢሎ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ብሰንኪ'ቲ ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወቕዕ ሓያል ዝናብ ዝሰዓበ ምንሽታት መሬት 22 ሰባት ክሞቱ እንከለው 7 ድማ ብሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ክድሕኑ ክኢሎም።
ብሰንኪ'ቲ ሓደጋ ብዙሕ ን ብረት ክዓኑ እንከሎ፤ ኣብ እንስሳ ዘቤት'ውን ዓቢ ጉድኣት ኣብጺሑ'ዩ። ካብ'ቶም ዝሞቱ ሰባት እቶም 14፡ ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ካብ ከተማ ወጻእን ምዕቡል መሳርሒታት ዘየተኣታተወሉን ብምዃኑ ምድሓን ሂወት ንዝተገብረ ጻዕሪ ማሕላኻ ኮይኑና'ዩ ክብል ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ምዕራብ ኣርሲ ኣቶ ፈይሳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ ኣቶ ፈይሳ፡ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት ናይ ሕክምና ሓገዛት ይግበረሎም ከም ዘሎን፡ ብናይ'ቲ ዞባ ኦህዴድ ኣማሓዳሪን ፖሊኢካዊ ጉዳይ ሓላፍን ኣቶ ወርቅነህ ሃይለ ዝምራሕ ልኡኽ፡ መድሃኒታት፤ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልእ ኣድለይቲ ሓገዛትን ብምሓዝ ናብ'ቲ ቦታ ከምዝተንቀሳቕሱ ገሊ
በቲ ሓደጋ ኣሰሮም ናይ ዝጠፍኡ ኣርባዕተ ሰባት ናይ ምድላይ መስርሕ'ውን ኣብ ምክያድ እዩ ዘሎ።
ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ዘይጥጡሕነት ናይ'ቲ ቦታ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ይኽእል እዩ ዝብል ዓቢ ተጽዕኖ ንሰራሕተኛታት ምድሓን ሂወት ፈጢሩ'ሎ።
መንግስቲ'ውን ብወገኑ፤ ንዝሞቱ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ኣብ ምፍጻምን ህሱያት ሕክምና ከምዝረኽቡ ኣብ ምግባርን ይነጥፍ'ኳ እንተሃለወ፡ ጠንቂ ናይ'ዚ ግን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣመት ዘይምንባሩ'ዩ። ስለ'ዚ ድማ ዓቢ ትኹረት ተዋሂብዎ ብግቡእ ክጽናዕን ኣቐዲሙ ስጉምቲ ክውሰደሉን ይግባእ። ክብል ኣቶ ፈይሳ ኣተሓሳሲቡ።