እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ካሊፎርንያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ዛጊድ 17 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ብዝወቐዐ ብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ ውሕጅን ስጋብ ምዓንጣ ብዝውሕጥ ናይ ጭቃ ምህማምን 17 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣናት ገሊጾም።
ኣሰር 13 ድማ ዛጊድ ከምዘይተረኸበ እቶም ሰበ ስልጣናት እናገለጹ'ዮም።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት መድሕን ነቶም ዛጊድ ኣሰሮም ዘይተረኸቡ ግዳይ እቲ ሓደጋ ንምድሓን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ምህማም መሬት 100 መንበሪ ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ክዓንዉ እንከለዉ 300 ገዛውቲ ድማ ሓደጋ በጺሒዎም ከምዘሎ ይግለጽ'ሎ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሓን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዚኑ እናነብዐ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ሓንቲ ጓል ክልተ ዓመት በቲ ሓደጋ ተጎዲኣ ናብ ሕክምና ከምዝኣተወት ገሊጹ።
ኣስታት 163 ሰባት ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ዕስራ ዝኾኑ "ምስ ነጎዳ ብዝተኣሳሰር መጉዳእቲ" ክህሰዩ ከለው፡ ኣርባዕተ ድማ ኣዝዮም ተሃስዮም ከምዘለው ተፈሊጡ።
ዳርጋ 300 ዝኾኑ ድማ ኣብ ሮሜሮ ካንዮን ተዓጊቶም ከምዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ቦታ "ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዝተኻየደሉ ዓውደ-ውግእ ኢዩ ዝመስል" ኢሎም ፖሊስ እቲ ከባቢ።
እዚ ሕጂ ብውሕጅን ጭቃ ምህማምን ተሃስዩ ዘሎ ከባቢ ቅድሚ ወርሒ ድማ ብባርዕ ሓዊ ዝተሃስየ ኢዩ። ብሰንኪ'ዚ ናይ ሕጂ ውሕጅ ድማ ዳርጋ 48 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ጽርግያ ተዓጽዩ ኣሎ።
ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ብስርዓት ስለዘይተቖጽሩ ድማ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ህጹጽ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ገሊጾም።
ኣሽሓት ሰባት ነቲ ብማይን ጭቃን ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ከባቢ ገዲፎም ኪወጹ ከለው፡ ዛጊት 50 ዝኸውን ናይ ሂወት ምድሓን ስርሓት ተኻይዱ ኣሎ።
ሰበስልጣናት እቲ ከባቢ ከምዝበልዎ እተን ኣብቲ ናይ ምግዓዝን ምድሓንን ስርሓት ዝካየድሉ ከባቢታት ዘይነበራ ጋዛውቲ እየን ኣዝየን ዝተሃስያ።
ዓበይቲ ደናጉላ ክንዲ ንኣሽቱ መካይን ዝዕብየቱ ድማ ካብቲ ኩርባታት ንታሕቲ ብምንቋት ጽርግያታት ከምዝዓጸወ ኣብ ሎሳንጀለስ ዝርከብ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ጀምስ ኩክ ሓቢሩ።
እቲ በዚ ብርቱዕ ዝናብ ዝተሃስየ ከባቢ ሃብታማትን ሰብ ዝና ናይ ፊልም ኣክተራትን ዝነብርሉ ከባቢ ኢዩ።
ኦፕራ ዊንፍሪ ኣስታት 90 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ገዛ ኣብቲ ከባቢ ትውንን።
ብሰኑይ 8 ጥሪ፡ 30,000 ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብቲ ቦታ ኪወጹ ተኣዚዚም።