ቱርኪ ንፍሉጥ ቤተመዘክር ሃግያ ሶፍያ ናብ መስጊድ ትቕይር

ቱርኪ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ዝርከብ ፍሉጥ ቤተመዘክር ናብ መስጊድ ቀዪራቶ።

እቲ ቅድሚ 1500 ዓመት፡ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ክኸውን ዝተሃንጸ ሃግያ ሶፍያ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ፍሉይ ህንጻ፡ ኣብ 1453 ብኦቶማን ቱርኪ ድሕሪ ምውራሩ ናብ መስጊድ ተቐዪሩ ዝጸንሐ'ዩ።

ካብ 1934 ጀሚሩ ከም ቤተመዘክር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ እቲ ህንጻ ብዩኔስኮ ኣብ ዝርዝር ውርሻታት ዓለም ተኻቲቱ እዩ።

ሓደ ቤት ፍርዲ እቲ ስፍራ ቤተ መዘክር ክኸውን ከም ዘይኽእል ድሕሪ ምብያኑ እዩ፤ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲብ ጣይብ ኤርዶዋን ነቲ ውሳነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ እስላማውያን ናብ መስጊድ ክቕየር ጥርዓናት ከቕርቡ እኳ እንተጸንሑ፡ ካልኦት ግና ነቲ ተበግሶ ክቓወሙ ጸኒሖም።

እቲ ሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲከኛታትን ተቓውሞ ኣሰዒቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ሃገሩ ልኣላዊ መሰላ ተጠቂማ ነቲ ውሳነ ከም ዘሕለፈት ኣፍሊጡ። 24 ሓምለ ኣገልግሎቱ ከም ዝጅምር ድማ ሓቢሩ።

"ከምቶም ካልኦት መሳጊድና፡ ኣፍ ደገታት ሃይጋ ሶፍያ ንነበርትን ወጻእተኛታትን፡ ንኣስላምን ኣስላም ንዘይኮኑን ክፉት ክኸውን እዩ" ኢሉ።

ዩኔስኮ፡ በቲ ነቲ ቤተመዘክር ናብ መስጊድ ንምቕያር ዝሓለፈ ውሳነ "ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ" ብምግላጽ፡ ሰብ መዚ ቱርኪ "ብቕልጡፍ ናብ ዝርርብ ክመጹ" ጸዊዑ።

ሰብ መዚ ቱርኪ ብዘይ ምይይጥ ነቲ ናይ ምቕያር ውሳነ ከየሕልፉ ዩኔስኮ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ።

ርእሰ ምብራቓዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ከምኡ'ውን ግሪክ ነቲ ተበግሶ ኮኒኖምዎ እዮም።

ሚኒስተር ባህሊ ግሪክ ሊና መንዶኒ "ነቲ ምዕቡል ዓለም ምትዅታዅ እዩ" ድሕሪ ምባል "ብፕረዚደንት ኤርዶዋን ዝርአ ዘሎ ሃገራውነት . . . ነታ ሃገር ንሽዱሽተ ክፍለዘመናት ንድሕሪት ዝመለስ እዩ" ኢላ።

ወሲኻ'ውን እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ቱርኪ "ነጻ ዝኾነ ስርዓተ ፍትሒ ከም ዘየሎ ዘነጽር" ምዃኑ ተዛሪባ።

ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ግና እቲ ናይ ዓርቢ ብይን፡ እቲ ህንጻ ካብ መስጊድ ወጻኢ ንኻልእ መዓላ ክውዕል ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

"እቲ ብ1934 ከም መስጊድ ኮይኑ ካብ ምግልጋል ከቋርጽን ቤተ መዘክር ምዃኑ ዘፍለጠን፡ ብካቢነ ዝተመሓላለፈ ውሳነ፡ ሕጋዊ ኣይነበረን" ኢሉ።