ኮቪድ 19- ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቃድ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ መዚ ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ንክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣፈቂዶም።
ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ብመልክዕ መርፍእ ሓንሳብ ጥራይ ዝውሃብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ንፋይዘርን ሞደርናን ሓዊስካ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ክታበታት ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ፍቃድ ረኺቦም ኣለዉ።
እዚ ክታበት ከም ፋይዘርን ሞደርናን ንክዕቐብ ብርቱዕ ዛሕሊ ኣየድልዮን እዩ፡ እዚ ከኣ ሓደ ካብ ብልጫታቱ'ዩ እናተብሃለ እዩ ዝጥቐስ።
ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሶን ብኾሮናቫይረስ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት 66 ሚእታዊት ናይ ምሕዋይ ዓቕሚ ከምዘለዎ'ዩ ብፈተነ ተረጋጊጹ ዘሎ።
እዚ ክታበት ብቤልጂማዊ ትካል ጃንሰን እዩ ዝፈሪ ዘሎ።
እቲ ትካል ክሳብ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ኣመሪካ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ከረክብ ክታሙ ከንብር እንከሎ እቲ ዝቐደመ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እዚ ሓደ ሰሙን ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ካናዳን'ውን ኣዝዩ ብዙሕ ብልቃጥ ጠሊበን ኣለዋ።
እቲ ናብ ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራት ክታበት ከከፋፍል ዝተመስረተ ኮቫክስ ብወገኑ 500 ብልቃጥ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ጠሊቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ ክውሃብ ፍቃድ ምርካቡ "ብኹልና ኣመሪካውያን ዘሕጉስ ዜና እዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ቅልስ ግን እቲ ቃልሲ ነዊሕ ምዃኑ ጠቒሱ።
ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ኣብ ኣመሪካ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ እቲ ውጽኢት ዝንኣድ ምንባሩን፡ ኣብ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ግን ምስ ክስተት ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ እቲ ውጽኢት ብተዛማዲ ዝተሓተ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ሓቢሩ።
እቲ ክታበት፡ እቲ ሕማም ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይድይብ 85 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝኾነን፡ ብሓፈሻ ኸኣ 66 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ይግለጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ክታበት ሓንሳብ ጥራይ ዝውሃብ ኮይኑ ድሕሪ ክታበት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ምሉእ ንምሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘዕቢ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ነዚ ክታበት ጠሊበን ዘለዋ ካልኦት ሃገራትከ ብዓል መን ኣለዋ
- ዓባየ ብርጣንያ - 30 ሚልዮን ብልቃጥ
- ኣውሮጳዊ ሕብረት - 200 ሚልዮን ብልቃጥ
- ካናዳ - 38 ሚልዮን ብልቃጥ
- ኮቫክስ - 500 ሚልዮን ብልቃጥ
ኣብ ኣመሪካ ኩነታት ለበዳን ክታበትን ከመይ ኣሎ?
ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣመሪካ 72.8 ሚልዮን ሰባት ተኸቲቦም ኣለዉ፡ መዓልታዊ ኸኣ 1.3 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣብ ኣብ መላእ ሃገር ይከፋፈል ኣሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ስልጣን ፕረዚደንትንት ምስ ደየበ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከከፋፍል ቃል ከምዝኣተወ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 508,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ግን መጠን መልከፍቲ ስለዝነከየ ቁጽሪ ሞትን ቁጽሪ ኣብ ሆስፒታልት ዝድቅሱ ዝነበሩ ሕሙማትን ብርኡይ ነኺዩ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







