ጋና ፈላመይቲ ተቐባሊት ብኮቫክስ ዝመቓራሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኮይና

ጋና

ምንጪ ስእሊ, UNICEF GHANA

ክታበታት ኮሮናቫይረስ ርትዓዊ ብዝኾነ መገዲ ንምምቕራሕ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጣየሰ ተበግሶ ኮቫክስ፡ ዕደላ እቲ ክታበት ክጅምር እንከሎ፤ ጋና ፈላመይቲ ተቐባሊት ኮይና'ላ።

እታ ሃገር 600 ሽሕ ክታበታት ኣስትራዜነካ ከምዝተቐበለትን፡ እቲ ክታበት ብሰራሕተኛታት ጥዕና ክጅምር ምዃኑን ተገሊጹ።

ኮቫክስ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታማት ሃገራትን ነቲ ክታበት ንምዕዳግ ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራትን ንዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዝተጣየሰ ፕሮግራም እዩ።

እቲ ፕሮግራም ክሳዕ መወዳእታ ዓመተ 2021፡ ክልተ ቢልዮን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ከቕርብ ወጢኑ ኣሎ።

ልዕሊ 30 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጋና፡ ነቲ ክታበት ብቕልጡፍ ክትዝርግሕ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ'ያ ቀዳምነት ተዋሂብዋ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክታበት ክጅመር ትጽቢት ይግበር። ኣብቲ ወፍሪ፡ ብዘይካ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ልዕሊ 60 ዝዕድሚኦም፡ ካልእ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎምን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ቀዳምነት ክወሃቦም እዩ።

እቲ ናብ ጋና በጺሑ ዘሎ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝጸደቐ ክታበት ብኣስትራዜነካን ኦክስፎርድ ዩኒቨርስትን ዝማዕበለ ኮይኑ ብሴረም ኢንስቲትዩት ህንዲ ዝፈረየ እዩ።

እቲ ናብ ከም ጋና ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ዝለኣኽ ዘሎ ክታበት ብለገስቲ ዝተመወለ እዩ።

ብዙሓት ናታተን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣቐዲመን ዝጀመራ ሃብታማት ሃገራት ልዕሊ እቲ ዘድልየን ብዝሒ ክታበት ይዕድጋ ኣለዋ ዝብል ክሲ ክቐርበለን ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ ግና መብዛሕትአን፡ እቲ ክታበታት ውጽኢታውነቱ ቅድሚ ምርግጋጹ እየን ምስቶም መድሃኒት ዘፍርዩ ትካላት ውዕላት ተፈራሪመን።

400 ሚልዮን ክታበታት ዝጠለበት ብሪጣንያ፤ ነቲ ተረፍ ንድኻታት ሃገራት ክትልግሶ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።

ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝምራሕ ተበግሶ ኮቫክስ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብእወታ ተቐቢለንኦ ኣለዋ።