ብሪጣንያ፡ መራሒት ሚያንማር ኣን ሳን ሱ ቺ ክትፍታሕ ክትሓትት እያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ [ዩናይትድ ኪንግደም] ዶሚኒክ ራብ፤ ኣን ሳን ሱ ቺ ካብ ማእሰርቲ ክትፍታሕ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሓትት ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ሚኒስተር፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነታ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ዝተመርጸት መራሒት ሚያንማር ኣንግ ሳን ሱ ቺ ካብ ማእሰርቲ ክፈትሕ ክሓትት እዩ ተባሂሉ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ዘረብኡ፡ እቲ ሰራዊት ካብ'ቲ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ተቖጢቡ፡ ኣብታ ሃገር ዝተጀመረ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከኽብር'ውን ክሓትት እዩ ተባሂሉ።
እዚ ዝተብሃለ፡ እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ተቓወምቲ ብውሕዱ ክልተ ከም ዝቐተለ ምስተሰምዐ እዩ።
እቲ ክስተት ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ተቓውሞ እቲ ዝኸፍአ እዩ ድማ ተባሂሉ።
ሚኒስተር ራብ፡ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተቓወምቲ ምትኳስ ግቡእ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፉ፡ 'ኣብ ልዕሊ ንዲሞክረሲ ዕንቅፋት ዝኾኑን ሰላም ዝዘርጉን ስጉምቲ ንምውሳድ ምስ ካልኦት ዓለም ለኻዊ መሻርኽትና ኮይንና ክንሰርሕ ኢና" ክብል ድማ ወሲኹ።
እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ጀሚሩ፡ ተቓወምቲ ናብ ኣደባበይ ወጺኦም ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለዉ።
እቲ ሚኒስተር እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት እናተጋደደ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ሰብኣዊ መሰላት ይጠሓሱ ከምዘለዉ፣ እዚ ድማ ብመረዳእታ ዝተትሓዘ ምዃኑ፡ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላተት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ክስተት ኣብ ልዕሊ ሮሂንጂያን ካልኦት ውሑዳንን ሓደጋ የብጽሕ ከምዘሎን'ውን ክገልጽ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ሚኒሲተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቻይና ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ዝተፈጸመ ዝበሎ ዘይተነግረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ'ውን ሩስያ ኣብ ልዕሊ መራሒ ተቓውሞ ኣሌክሲ ናቫሊይ ዝፈጸመቶ 'መሕፈሪ' ተግባር ከምዘልዕል ተዛሪቡ።
ቻይናን ሩስያን ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ስለዝኾና ነቲ ነቐፌታ ብቐጥታ ክከታተላ ምዃነን ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ 2006 ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ተኪኡ ዝተጣየሸ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ዝእከብ ኮይኑ፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግምግም እዩ።
ኣብ ሚያንማር፣ ሶሪያ፣ ሰሜን ኮሪያ፣ ብሩንዲን ደቡብ ሱዳንእ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት'ውን ክዝቲ እዩ ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







