ካብ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ኣይሁድ ዝቐየረት ድምጻዊት

ኩዌታዊት ደራፊት

ምንጪ ስእሊ, Social Media

ስነጥበባዊት ክዌይታዊት ባስማ ካብ ምስልምና ናብ ጁዲዝም (ኣይሁድነት) ብምቕያራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

"ኣነ ባስማ ኣልኩውየቲ ተባሂለ ብሳጓይ ዝጽዋዕ፡ ኢብቲሳም ሓሚድ እየ። እስላማዊ እምነተይ ሓዲገ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ከምዝቐየርኩ ብሓበን እነግር” ክትብል ብቪድዮ መግለጺ ሂባ።

ብተወሳኺ ኩነታት ደቀንስትዮ ኣብ እምነት ምስልምና ብምንቃፍ፡ ንመንግስቲ ኩውየትን ንገዛኢ ስድራ ቤት ኣል-ሳባን ከም እትቃወም ሓቢራ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነቲ ቪድዮ ኣብ እተፈላለየ መድረኽ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ጕዳይ ናጽነት እምነት ኩዌይትን እስላማዊ ሕብረተሰብን፡ ኣብታ ሃይማኖታ ክትቅይር ዝወሰነት ድምጻዊት ዘቕረበቶ ተሪር ነቐፌታን ንዓኣ ዝድግፉን ዝቃወሙን፡ ናጽነት እምነት ኪኽበር ዝጽውዕን ብዙሕ መልሰ ግብሪ ኣለዓዒሎም ።

ድሕሪ እቲ ብቪድዮ ዝተዘርገሐ መግለጺ ዜግነት ናይታ ስነ-ጥበባዊት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ገሊኦም እታ ድምጻዊት ዒራቓዊት እምበር ክዌይታዊት ኣይኮነትን ይብሉ።

ኢብቲሳም ማህዲ፡ ዜግነት ኩዌት ክትወስድ ጽዒራ ምስላጥ ምስ ኣበያ፡ ቅድሚ ናብ ኤውሮጳ ምዃዳ ብዜግነት ኤርትራ መንበሪ ፍቓድ ረኺባ ኣብ ኩዌት ክትነብር ዝጸንሐት ስደተኛ እያ ክብል ንሓደ ናይ ጸጥታ ምንጪ ብምጥቃስ ተዛሪቡ።

ባስማ ምስ ቢቢሲ ትረንዲንግ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ካብ ኩዌታዊት ኣደ ዝተወልደት ቢዱን ምዃና ሓቢራ።

ኣስዕብ ኣቢላ እውን ፡ "ንነዊሕ ዓመታት ኩሉ ሲቪላዊ መሰላተይ ተጋሂሱ ተሳቕየን ተናዒቐን እየ። ብሰንኪ እቲ ዝወረደኒ ጸቕጢ ርእሰ ቅትለት እንተዝፍጽም ከምዚ ሕጂ ሃይማኖት ብምቕያረይ ተፈጢሩ ዘሎ ያዕያዕ ኣይምተባህለን” ኢላ።ይኹን እምበር ፡ "ክሳዕ ሕጂ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ናይ ምቕያር መስርሕ ኣይጀመረን" በለት ።

ሓደ ወርሒ ይገብር ኣብ ኩዌይት ዝነብር ሙሓመድ ኣል-ሞዓመን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ናብ ክርስትና ከምዝቐየረ ቪድዮ ክሊፕ ምስዘርገሐ፡ ብዙሓት ትዊት ዝገብሩ ሰባት፡ እቶም ሃይማኖቶም ዝቕይሩ፡ 'ዝና' ክረኽቡ ዝደልዩ እዮም ክብሉ ከምዝኸሰሱዎም ይዝከር።