ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ክዓጽዎ ምኳኑ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኤርትራውያን ተዓቚቦምለን ዘለዉ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ነተን ክልተ ክትዓጽወን ምዃና ኣፍሊጣ።

መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ንመዐቀኒታት ህንጸት መዓስከር ትካል ስደተኛታት ውድብ ሃገራት ዘየማልኣ ብምዃነን ንክዕጸዋ ከም ዝተወሰነ ዋና ዳይሬክተር መንግስታዊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲን (ARRA) ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሊጹ።

ኣቶ ተስፋሁነይ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ብመሰረት ሮቛሒ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ካብ ዶብ ጎሮቤት ሃገር [ኤረትራ] ክንድ'ቲ ዝግባእ ዝረሓቐ ከም ዘይነበረን፡ ሕጻጽ'ውን ብምኽንያት እቲ ከባቢ ዘለዎ ክሌማ ንሕማም ዓሶን ሕጽረት ማይን ዝተቓልዐ ብምዃኑ ንክዕጸው ምኽንያት ከም ዝኾነ ጠቒሱ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዶብ ተዳወብቲ ሃገራት ብውሑድ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ክህነጽ ከም ዘለዎ ተደንጊጉ'ዩ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ብሓፈሻ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትርራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ካብኦም እቶም ኣስታት 50 ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ከም ዝኾኑ እቲ ዳይረክተር ገሊጹ።

ኣቶ ተስፋሁነይ ብምስዓብ ኣስታት 92 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ከም ዝነበሩ ኣብሪሁ። እቶም 49 ሽሕ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ዝነብሩ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ካብ መዓስከር ወጻኢ ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዝነብሩ እዮም ኡሉ።

ኣብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝነበረ ምብጻሕ መግቢ ኣብ ዓዲ ሓሩሽ 15000፣ ማይ ዓይኒ 13800፣ ሕጻጽ 11800፣ ሽመልባ 8400 ስደተኛታት ይነብሩ ምንባሮም'ውን ኣቶ ተስፋሁነይ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ናብ ክልቲአን መዓስከራት [ሕጻጽን ሸመልባን] ዝበጽሕ ዝነበረ ኣገልግሎት ከም ዝተቛረጸን ሰራሕተኛታትን ትካላት ውሃብቲ ረድኤት'ውን ካብቲ ቦታ ከም ዝወጽኡን ብምግላጽ፡ ዝምታን ካልእ ዝበጽሐ ዕንወትን ከምኡ'ውን ምቁራጽ ኣገልግሎት ስልኪ ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ከም ዘየኽኣሎም ተዛሪቡ።

"እቲ ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት ንስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍላይ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ኣብ ከባቢ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝካየደሉ ቦታ ዝተደኮና ብምዃነን ክንበጽሖም ኣይክኣልናን። ካብዚ ብዝብገስ ነቶም መዓስከራት ዝነበረ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ጠጠው ኢሉ" ኢሉ።

መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ተዛማዲ ሰላም ዘለዎምን ንመገዲ ምቹኣትን ከምኡ'ውን ክሳብ 70 ሚኢታዊት ናይ መዓስከር ነባሪ ዝርከበሎም ስለኾኑ፡ ነዚኦም ትኹረት ብምሃብ ሰሪሕና ኢና ይብል ኣቶ ተስፋሁን።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስን ጥርን ክበጽሕ ዝግብኦ መግቢ ከም ዝበጽሐን ናይ ወርሒ ለካቲት ንምብጻሕ'ውን ምድላው ከም ዝገበሩን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ካልኦት ኣገልግሎታት ማይን ሕክምናን ኣይ-ኣር-ሲ (IRC) ምስ ዝተባህለ ትካል ብምትሕብባር ጽገናታት ብምግባር እቶም ስደተኛታት ኣገልግሎት ንክረኽቡ ከም ዝተገብ'ውን ጠቒሱ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብተን ውሑሳት ዝተባህላ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ክመጽኡ ይግበር ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትግራይ ብዘሎ ግጭት 20 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሕጻጽን ሽመልባን ጠፊኦም ዝብል ዜና ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ተጋዊሑ ነይሩ።

ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ብርክት ዝበሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ቅልውላው እቲ ክልል ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከም ዝኾነ ክገልጹ እንከለው፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ዝሃደሙ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ኣበይ ከም ዝኣተው ኣይፍለጥን ተባሂሉ ነይሩ።

እቲ ዳይሬክተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ "19 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵኣ ከም ዘለው ንፈልጥ ኢና፤ ብጥምየትን ሕማምን ዝተጎድኡ'ውን ክህልው ይክእሉ እዮም። ይኹን'ምበር ዝጠፍአ ሰብ የለን" ኢሉ።

ውሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ መልዘር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ መኣስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈልጥ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢ ሽረ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ገሊጹ ነይሩ።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ከም ዝተወስዱን ዝገልጹ ጸብጻባት ከም ዝብጽሖም ዝገለጸ መልዘር፡ እቲ ኣሻቓሊ ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ "ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ግን እቶም ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ይነብሩ ኣለዉ ኢሉ።

"ብሓፈሻ ኣብ ክልቲኦም መዓስከራት 19 ሽሕን 200 ስደተኛታት ነይሮም፤ ካብዚኦም ክሳብ ትማሊ ልዕሊ 4600 ስደተኛታት ናብ ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ኣሰጋጊርናዮም ኣለና። ሎሚ መዓልቲ ድማ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ክንመለስ ትጽቢት ንገብር።

"ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣለና። ስለዚ ብርግጽ ኣበይ ኣለው ኢልና ዝፈለጥናዮም ስደተኛታት ኣስታት 10 ሽሕ ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ንእልሾም ኣለና" ይብል።

ኣብ ከተማታት ሸራሮ፣ ሽረን ባድመን ከምኡ'ውን ኣብ ደባርቅ፣ ጎንደር፣ ወረታን ደሴን ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዘለው ሓበሬታ ኣሎ ዝበለ ኣቶ ተስፋሁነይ: ነዚኦም ከይድካ ናይ ምምዝጋብን ምጽናዕን ስራሓት ይካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ክሰግሩ መደብ'ኳ ወጺኡ እንተነበረ ምስ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ግን ናብ ሽመልባ ከይሰገሩ እቲ ኲናት ኣርኪቡዎም።