ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሑ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, EBC
ሓለፊ ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከብጽሑ ከምዝተስማምዑ ተፈሊጡ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳይሬክተር ትካል መግቢ ዓለም፡ ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ትካሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።
ዴቪድ ቢዝሊይ፡ "ኣብ ትግራይ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ናትና ህጹጽ ሓገዝ ይጽበ ኣሎ። ዝባኽን ግዜ የብልናን" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓላፊ እቲ ትካል፡ ትካል መግቢ ዓለም፡ 1.3 ሚልዮን ህዝቢ ንምርዳእ 20 ሽሕ ቶን ምግቢ ኣብ መላእ ትግራይ እናብጸሐ ከምዝኾነ ብምስሊ ኣደጊፉ ገሊጹ'ሎ።
ምስዚ ብዝዛመድ ዜና፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ሲንዲኬት ኣብ ዝተሓተመ ጽሑፉ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይን መከራን፡ ቀዳምነት ከምዝህቦ ብምግላጽ፡ ትካላት ረድኤት ዓለም ምስ መንግስቱ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ጸዊዑ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ክልል ትግራይ፡ ረድኤት ንምብጻሕን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብቲ ጽሑፉ ገሊጹ።
እቲ 'ብህወሓት ኮነ ተባሂሉ ተቛሪጹ' ዝበሎ መሰረተ ልምዓት ርክባት እቲ ክልል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ እዋኑ ንኸይበጽሕ ፈተና ኮይንዎ ከምዝጸንሐን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበሮን'ውን ሓቲቱ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ከኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።
ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም።
'ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዘሻቕል እዩ'
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኩነታት ትግራይ ኣዝዩ ዘሻቕል ከም ዝኾነን መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዘበርክታ ትካላት ናብቲ ክልል ከይኣትው ዝገብሮ ኽልከላ ደው ከብሎን ኣብ ዝሃለፈ ሰሙን ተማሕጺኑ ነይሩ።
ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፈጸሙዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምህላው ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጥታት ከም ዘለው'ውን ገሊጹ።
ሓላፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ጃን ኢገላንድ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝርከቡሎም ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብተን ክልተ ናውታት ሓገዝ ከም ዘብጽሑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብተን ክልተ ግን ክበጽሑ ከም ዘይኽኣሉን ከም ዘተሓሳስቦን ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ከመዝድልዮ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 2.5 ሚልዮን ከም ዝኾኑን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሚኒስተር ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ 26 ዘይምንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የብጽሕ ምህላው ገሊጹ'ሎ።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ጽጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ልዕሊኦም ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2020 ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ጸኒሒ እዩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተደሪቱ ጸኒሑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







